22/05/2024
መዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ ዮሃንስ ራብዓይ ኣክሱም ኣብ ዝተተሓዘሉ እዋን ግልጋሎት ንምጅማር ዘኽእል ስራሕቲ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ።
መዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ ዮውሃንስ 4ይ ኣክሱም ፅሬቱን ሰለጤኑን ኢሉ እውን ዝበፅሖ ብርኪ ንምዕዛብ ብከንቲባ ከተማ ኣኽሱም ኣይተ ኣበበ ብርሃነ ዝተመርሐ ጉጅለ ዑደት ኣሳሊጡ።
ከንቲባ ከተማ ኣኽሱም ኣይተ ኣበበ ብርሃነ ከምዝገለፅዎ ነበርቲ ከተማ ኣኽሱም ንሰራሕተኛታት እቲ ፕሮጀክት ንምትብባዕ ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ዑደት ከምዝገበሩ ድሕሪ ምግላፅ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ እዋኑ ንግልጋሎት ክበቅዕ ሰራሕተኛታተት እቲ ፕሮጀክት ዝገብርዎ ንዘለዉ ርብርብ ኣመስጊኖም።
ናይ መወዳእታ ምጅማር ምንፃፍ ኣስፋልትን ስራሕቲ መሰረተ ልምዓትን መዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ ዮውሃንስ 4ይ ኣክሱም ተዘዋዊሮም ዑደት ዝገበሩ ሓላፊት ቢሮ ልምዓትን ኮንስትራክሽንን ወ/ሮ ኣልማዝ ገብረፃድቃን፣ ኣማሓዳሪ ርእሰ ኣድባራት ወገዳማት ኣኽሱም ፅዮን ክቡር ነብርእድ ጎደፋ መርሃ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ሓለፍቲ ስራሕን ተወከልቲ ሲቪል ማሕበረሰብ፣ ኣብቲ ዑደት ተረኺቦም።
ተወካሊ እቲ ፕሮጀክት ኢንጅነር ጉዑሽ እርገቱ ብፅሬትን ሰለጤንን ከምኡ እዉን እቲ ዝተትሓዘሉ ግዜ ገደብ ተዛዚሙ ንግልጋሎት ክፍቲ ክኸዉን ለይትን ቀትርን ንሰርሕ ኣለና ኢሎም ክብል ናብ ቤት ፅሕፈትና ዝፀብፀበ ሓበሬታን ርክብን ከተማ ኣኽሱም እዩ።
መዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ ዮውሃንስ 4ይ ኣኽሱም፣ 01 ሰነ 2016 ዓ/ም ኣገልግሎት በረራ ከምዝጅምር ምግላፅና ይዝከር ከም ሓበሬታን ርክብን ከተማ ኣኽሱም።
13 ጉንበት 2016 ዓ/ም