መረብ ሚድያ ኔትወርክ

መረብ ሚድያ ኔትወርክ PROMOTE TIGRAI🔎

ገዳም ቅድስት ማርያም ኣበዖ (ወዖ)⭐️⭐️⭐️⭐️💝ኣብ ገጠር ወረዳ ኣፅቢ ጣብያ ሓረሳው ቁሸት ፍሉይ ሽም ኣበዖ(ዎዖ) ኣብ መስደመምን ቀልብኻ ዝማርኽ መልከኣ ምድራዊ ኣቀማምጣን ዝተደኮነ ገዳም...
17/04/2024

ገዳም ቅድስት ማርያም ኣበዖ (ወዖ)
⭐️⭐️⭐️⭐️

💝ኣብ ገጠር ወረዳ ኣፅቢ ጣብያ ሓረሳው ቁሸት ፍሉይ ሽም ኣበዖ(ዎዖ) ኣብ መስደመምን ቀልብኻ ዝማርኽ መልከኣ ምድራዊ ኣቀማምጣን ዝተደኮነ ገዳም እዩ።

✅እዚ ገዳም እዚ ኣብ መበል 5ይ ክፍለ ዘመን ከም ዝተገደመ ዝንገረሉ ገዳም እንትኸውን ደሓር እውን አቡነ በርተሌሞስ ዝበሃሉ ዻዻስ ከም ዘስፍሕዎን ከም ዝገደምዎን ተወለድትን ኣብቲ ገዳም ዘለው ስእልታትን ይዛረቡ።ናይ ዞም ኣቦ ገድሎም ከም ዝብሎ "ዓርከ እስጢፋኖስ" ይብሎም ግብፃዊ ምኻኖም እውን ገድሎም ዝገልፅ እንትኸዉን እቶም ምስ ቅዱሳን ኣቦታትና ደቂቀ እስጢፋኖስ ኮይኖም መከራ ዝተቐበሉ ዻዻስ ኣቡነ በርተሌሞዎስ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ካብቲ ገድሎምን ዝነበርሉ ክፍለ ዘመንን ምርዳእ ይከኣል።

✅ሰለስተ ዓበይቲ ዓርሰም ዝኸኣሉ ክፍልታት ቅኔ ማህሌት ቅድስትን መቕደስን ዘለውዎ ውቑሩን ህንፃን ገዳም እንትኸውን። ኣክሱማዊ ስነ ህንፃን ጥበብን ዝዓረፈሉ እዩ።

✅እዚ ገዳም እዚ መእለያ ዘይብሎም ቅርስታት ዝሓቖፈ እንትኸውን ብዓይንና ካብ ዝረኣናዮም ንምጥቃስ
✅ጥንታዊ ካብ ኦም ዝተሃንፀ ፍሉይ ኣትራኖስ ✅ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝንቀሳቐስ መንበር ✅ ሙሉእ ንሙሉእ ካብ ፀዶ ወይድማ ሖሖት ዝተሰርሐ መመገቢ ሒላብ

✅መስደመም ዝኾነ ምስናይ ዘመኑ ኣብ ባንክቤታት ዝጥቀምሉ ናይ ካዝና ቁልፊ ተመሳሳሊ ዝኾነን ካብ ዕፅ ዝተሰርሐን ምስጢራዊ መዘውር።

ዝርዝር ንምንባብ እዛ ሞልጎም ይኽፈቱ https://t.me/MeleketDMedia/122

ኣብ ከተማ ውቕሮ ዝርከብ ሙዝየም ጥንታዊ ሓድግታት ትግራይ።Aregawi ZablonHighlights Myanmar 2መለኸት ትግራይ ሚድያHalefay Digital Media and MarketingT...
17/04/2024

ኣብ ከተማ ውቕሮ ዝርከብ ሙዝየም ጥንታዊ ሓድግታት ትግራይ።

Aregawi Zablon
Highlights Myanmar 2
መለኸት ትግራይ ሚድያ
Halefay Digital Media and Marketing
Tigrai Culture and Tourism Bureau

 ======= #በዓቲ ዓንዛ በቲ ነባር ኣብ ወረዳ ሳዕሲዕ ፃዕዳ እምባ በቲ ሓዱሽ ድማ ሱብሓ ሳዕሲዕ ጣብያ ሳዕሲዕ ቁሸት ዓንዛ ካብ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስ ንኣንፈት ሰሜን ምብራቅ ዝርከብ ጥንታዊ...
12/04/2024


=======
#በዓቲ ዓንዛ በቲ ነባር ኣብ ወረዳ ሳዕሲዕ ፃዕዳ እምባ በቲ ሓዱሽ ድማ ሱብሓ ሳዕሲዕ ጣብያ ሳዕሲዕ ቁሸት ዓንዛ ካብ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስ ንኣንፈት ሰሜን ምብራቅ ዝርከብ ጥንታዊ ናይ ስእሊ ስፍራ እዩ።

#ኣብዚ ጥንታዊ በዓቲ ዝርከቡ ስእልታት ናይ ዝተፈላለዩ እንስሳትን ናይ ሰብን (ጓሳ) ኮይኖም መዓዝ ከም ዝተስኣሉ ክሳብ ሐዚ ብንፁር ዝፍለጡ ኣይኮኑን።

#እዞም ስእልታት እዚኦም ወድሰብ ቅድሚ ሕርሻ ምጅማሩ መነባብርኡ ኣብ ምርባሕ እንስሳት ዝተመስረተ ከምዝነበረ ዘመላኽቱ እዮም ዝብል ክልስ ሓሳብ ኣሎ። ትኽክለኛ ናይዞም ስእልታት እንታይነትን መዓዝ ከምዝተሳኣሉን ንምፍላጥ ምፅናዕ የድሊ።

#እዚ ጥንታዊ ስፍራ ኣብዚ ሀዚ እዋን እቶም ስእልታት ኣብ ምውዳቅን እቲ ታሪካዊ ቦታ ስሙ ኣብ ምርሳዕን ይርከብ ይብል እቲ ዝረኸብኩዎ ሓበሬታ። ስለዚ እዚ ታሪካዊ ቦታ ከምቶም ካልኦት ታሪካውያንን ጥንታውያንን ቦታታት ኮይኑ ንክንሪኦ ክነፋልጦ ይግባእ።




Teklish Fiyameta
29-07-2016 ዓ/ም

ሰንሰለታዊ ጎቦታት ኢሮብ⭐️⭐️⭐️
12/04/2024

ሰንሰለታዊ ጎቦታት ኢሮብ
⭐️⭐️⭐️

 ========== #ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጊዮርጊስ ስንዕፍቲ በቲ ሓዱሽ ኣወዳድባ ኣብ ወረዳ ጋንታ ኣፈሹም ብናይ ቀደም ወረዳ ሓውዜን ጣብያ ደብረ ዓባይ ቁሸት ስንዕፍቲ ዝርከብ ጥንታውን ካብ...
12/04/2024


==========
#ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጊዮርጊስ ስንዕፍቲ በቲ ሓዱሽ ኣወዳድባ ኣብ ወረዳ ጋንታ ኣፈሹም ብናይ ቀደም ወረዳ ሓውዜን ጣብያ ደብረ ዓባይ ቁሸት ስንዕፍቲ ዝርከብ ጥንታውን ካብ ከውሒ ተነዲሉ ዝተሃነፀን ታሪኻዊ ቤተ ክርስቲያን እዩ።

#እዚ ቤተ ክርስቲያን ምስ ማርያም ደንገላት ተመሳሳሊ ጥበብ ኣተሃናንፃ ዝዓረፎ ቤተ ክርስቲያን እዩ። እዚ ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣገልግሎት ዘይህብ ዘሎ ቤተ ክርስቲያን እዩ። ዳግም ተኸፊቱ አገልግሎት ኽህብን ትኹረት ክወሃቦን ይግባእ። #ሃውፅዎ ©ገብረ ቂርቆስ ገ/ሔር



05/04/2024

for
ጥንታዊት ይሓ
⭐️⭐️⭐️⭐️
ይሓ ናይ ዳእማት ዝተባሃለ ስልጣነ መቐመጢት ስፍራ ዝነበረት ጥንታዊት ከተማ እያ። ዳእማት ስርወ መንግስቲ ካብ 8ይ ቅ/ል/ክ ክሳብ 3ይ ቅ/ል/ክ ዝነበረ ኮይኑ እቲ ስልጣነ ብሕርሻ፣ ሰነ ጥበብ፣ ንግዲ፣ብስርዓተ መንግስቲ ዝፍለጥ ዝነበረ እንትኾን ክሳብ ሎሚ ድማ ናይ ታሪኽ ምስክራት ኮይኖም ኣብቲ ጥንታዊ ስፍራ ይርከቡ።
ኣብ ይሓ ካብ 1960ታት ንዳሓር ኣብ ዝተኻየዱ መፅናዕቲ ሰነ ጥንቲ ብርክት ዝበሉ ነገራት ብምርምር ዝተረኸቡ እንትኾኑ ካብኣቶም ገለ ንምጥቃስ ካብ ከውሒ ተፈልፊሎም ዝተሃነፁ ከባቢ 17 ዝበፅሑ መቓብራት፣ ናይ ሳብያን ፅሑፍ ዝሓዙ ዝተፀረቡ አእማን፣ ንመንደዲ ዕጣን ዘገልጉሉ ኣቁሑ፣ ካብ ነሃስ ዝተሰረሑ ማህተማትን ንማሕረስ ዘገልጉሉ ዝተፈላለዩ ኣቁሑታት ተረኺቦም እዮም።

ካብዚኦም ብተወሳኺ ኣብ ይሓ ክልተ ዓበይቲ ህንፃታት ከም ዝነበሩ ኣብቲ ቦታ ዝርኣዩ ፍርስራሳት ህንፃታት ምስክራት እየን። እተን ህንፃታት ድማ እታ ሓንቲ ቤተ ሙክራብ እንትኾን እታ ካልኤቲ ድማ ግራት ብዓል ግብሪ እናተባሃለ ዝፍለጥ ቤተ መንግስቲ እያ። ካልእ ኣብ ይሓ ዝርከብ ካብቶም ትስኣቱ ቅዱሳን ሓደ ብዝኾኑ ኣቡነ ኣፍፀ ዝተመስረተ ቤተ ክርስትያንን ኣብ ውሽጡ ብርክት ዝበሉ ሓድጊታት ዝሓዘ ቤተ መዘክር እውን ይርከብ።

➡️ናይ ይሓ ቤተ ሙክራብ

ናይ ይሓ ቤተ ሙክራብ ኣብ ትሕቲ ሳህራ ዝርከብ እቲ ዝነወሐ ዕድመ ዘለዎ ህንፃ ኮይኑ ኣብ 7ይ ቅ/ል/ክ ዝተሃነፀ እዩ። እዚ ህንፃ ን"ኣልሞቃህ" ዝተባሃለ ናይ ወርሒ ኣምላኽ ተባሂሉ ዝተሰረሐ መምለኺ ቦታ ከም ዝኾነ ኣብቲ ቦታ ዝተገበሩ መፅናዕቲታት ይሕብሩ። ብጣዕሚ ብዘደምም ናይ ኪነ ህንፃ ጥበብ ዝተሰረሐ እዚ ቤተ ሙክራብ ብዘይምንም ናይ ሰሚንቶን ሓሸዋን፣ ጭቃን መጣበቂታት ዝተሃነፀ ኮይኑ ብፉሉይ ኪነ ህንፃዊ ቅዲ ብዓበይቲ አእማን ብምንብባር ጥራሕ ዝተሃነፀ ምዃኑ ቀልቢ ሳሓባይ ይገብሮ። እቲ ህንፃ 18ሜትር ብ15 ሜትር ስፍሓትን 13ሜትር ቁመትን ዘለዎ እንትኾን ካብቶም ኣብቲ ሙክራብ ዝርኣዩ ምልክታት ብምልዓል 12ተ ዓንድታት ከም ዝነበርዎም ምግማት ይከኣል። እዚ ቤተ ሙክራብ ብ6ይ ክ/ዘመን ናብ ኣኽሱም ካብ ዝመፁ ትስኣቱ ቅዱሳን ሓደ ብዝኾኑ ኣቡነ ኣፍፀ ናብ ቤተ ክርስትያን ከም ዝተቐየረ ይፍለጥ።

➡️ግራት ባዓል ግብሪ

እዚ ቤተ መንግስቲ ብፍሉይ ኪነ ህንፃዊ ቅዲ ዝፈለጥ እንትኸውን 50 ሜትር ብ 50 ሜትር ስፍሓት ከምዝነበሮ ይሕበር። ብGerman Archaeological institute ዝተገበረ መፅናዕቲ መስረት እቲ ህንፃ 8ተ ቅ/ል/ክ ከም ዝነበረ ገሊፆም እዮም። እቲ ህንፃ 6ተ ዓንዲታት ቁመቶት ክሳብ 10 ሜትር ክብደቶም ድማ 20 ቶን ዝምዘን ከም ዝነበርዎ ይግለፅ። ካብዚ ብምልዓል እቲ ቤተ መንግስቲ ብዙሓት ደብሪታት ከም ዝነበርዎ ምግማት ይከኣል።

ብሓፈሻ ኣብ ይሓ ዝተፈላለዩ ሓድጊታት ዝርከቡ እዃ እንትኾኑ ኣብቲ ስፍራ መፅናዕቲ ዘካየዱ ዘለዉ ጀርመናውያን ናይ ስዑድ ዓረብ ኪነ ህንፃዊን ካልኦት ተፅዕኖታት ኣለዎ እናበሉ የቕርቡ እዮም። እዚ ካብ ክልተ ነገር ዝነቐለ ይመስለኒ። እቲ ሓደ ነቲ ቅድሚ ይሓ ይኹዕትሉ ዝነበረ የመን ይኹን ካልእ ዝሰርሕዎ መፅናዕቲታት ንምጥንኻር ዝዓለመ እቲ ስልጣነ ካብኡ እዩ መፅዮ ንዝብል ስራሕቶም ንምግላፅን ንምጥንኻርን እንትኾን እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ መፅናዕታዊ ስራሕቲታት ባዕልና ተጋሩ ብዘይምንጣፍና ዝፈጠሮ ክፍተት እዩ። እንተኾነ ግን ቅድሚ ስልጣነ ዳኣማት ኣብ ትግራይ ሰልጣነታት ከም ዝነበሩ መፅናዕቲታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ምርካቦም ባዕዳዊ ዝባሃል ስልጣነ ኣብ ትግራይ ከም ዘይዓንበበ ምቕማጥ ይካኣል እዩ።

Mawcha Gebrehiwot

ጥንታዊ ገዳም ዋልድባ-- ዓመታዊ ክብረ በዓል 27 መጋቢት-----ዋልድባ ብስፍሓትን ርሕቐትን ደረጃ እንትርአ ካብ30-40ኪ.ሜ ርሕቀት እንትህልዎ፤ ካብ ሰሜን ክሳብ ደቡብ 80-90ኪ.ሜ ስፍሓ...
05/04/2024

ጥንታዊ ገዳም ዋልድባ-- ዓመታዊ ክብረ በዓል 27 መጋቢት
-----

ዋልድባ ብስፍሓትን ርሕቐትን ደረጃ እንትርአ ካብ30-40ኪ.ሜ ርሕቀት እንትህልዎ፤ ካብ ሰሜን ክሳብ ደቡብ 80-90ኪ.ሜ ስፍሓት መሬት ይውንን።

ዋልድባ ብኣዋሰንቲ ወሓዝቲ ሩባታት ዝተኸበበ ዉቅብ ገዳም እዩ።

ብምብራቅ ሩባ እንስያ፣ ብምዕራብ ሩባ ዛሬማ፣ ብደቡብ ማይ ወይባ፣ ብሰሜን ሩባ ተከዘ ድማ ይዋሰን።

ገዳም ዋልድባ፥ ብደቡብ ዛሬማ መይደይ፣ ብሰሜን ኣስገደን ፅንብላን፣ ብምዕራብ ወልቃይት፣ ብምብራቕ ፀለምቲ ባዕሉ ወረዳ ይዋሰን።

ገደም ዋልድባ ዝርከቡ ቅዱሳት ስፍራ ከም'ኒ ገዳም እንዳ መድሃኒኣለም፣ ማይሓንሰ፣ ስፍራ ቅንፊዝ፣ላዕላይ ፀዓዳ ማይ፣ ታሕታይ ጸዓዳ ማይ፣ ማይ ለበጣ (ባሕታውያን ዝነብርሉ)፣ ማይ ለሚን፣ ፀፂት ፣ ገዳም እንዳ'ባ ሳሙኤልን መቓብሮምን ዝሓቖፈ ገዚፍ ታሪኻዊን ሃይማኖታዊን ጓጓ ፀለምቲ እዩ።

(ዋልድባ ኣልዒልካ እንዳ ሃሌ ሉያ ዝበሃል ጉድጓድ መንቀራቕሮ ዘይዝክር የለን)፤ ገዳም ዋልድባ ከፈሮን ጎራዕራዕን ዝኣመሰሉ ስፍራታት እንትህልውዎ፤ ካብ እንስሳ ዘገዳም ድማ ብዕራይ በረኻ(ጐባይ)፣ ዓጋዜን፣ ነብሪ ክሳብ ጤለበዱን ሚዳቝን ይርከቡ።

ኣብዚ ገዳም ካብ ዓበይቲ ኣእዋም ክሳብ ኣንእሸተይ ቖጥቛጣት ከምኒ ሰብዓ፣ ኩመል፣ ሕሞር፣ ኣፍኬም፣ ትንኳኹያ፣ ጉራማይለ፣ ድልኽ፣ ፅጌኖ፣ ዓርቃይ፣ ሳግላ፣ ፃራ፣ ወይዋ፣ ጠንቋሊ ጭዓ፣ ዓየ፣ ዲማ፣ ኣድጊ ዛና፣ ሙዝ፣ ኣሟለ፣ ሎሚን፣ መቂዕ፣ ዓኹማ፣ ፀቐንጠ፣ ሓማት መቐር፣ ሒሎ፣ ኣዉሒ፣ ዳዕሮ፣ መቀር፣ መቐጣ፣ ምልሕጦ፣ ጉጭነ፣ ታምቦኽ፣ ጭልቃና፣ ኮሊዖ፣ ወይራ፣ በትረ-ሙሴን ዳዕሮን ወዘተ ፍሪኦም ዝብሉዑን ዘይብሉዑን ተኽልታት ዝርከቡዎ ቅዱስ ስፍራ ወረዳ ፀለምቲ ትግራይ እዩ።

እንኳዕ ንዓመታዊ ክብረ በዓል ገዳም ዋልድባ መድሃኒኣለም ኣብፀሐኩም👏

ባራኺ ወዲ ኣሌ

እንዳ መድሃኒኣለም ዓድዋ ደጃች ስባጋድስ ወልዱ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበርሉ እዋን (1814-1823) ዓ/ም ዝተሰርሐ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ቤተ ክርስትያን እዩ። ኣብ እዋን ርሑቕ መስመር ንግዲ ኢ...
05/04/2024

እንዳ መድሃኒኣለም ዓድዋ ደጃች ስባጋድስ ወልዱ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበርሉ እዋን (1814-1823) ዓ/ም ዝተሰርሐ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ቤተ ክርስትያን እዩ። ኣብ እዋን ርሑቕ መስመር ንግዲ ኢ/ያ ዓድዋ ከም ማእኸል መተሓላለፊ ንግዲ ኾይና ተገልግል ስለዝነበረት ደጃት ስባጋድስ ብዙሕ እዋን ተቀሚጦምላን ብኣሰራርሕኡ ዝናኣድ በዓል ድርብ መካበብያ ቤተ ክርስትያን መድሃኒኣለም ሰሪሖምላን እዮም።

ደጃት ስባጋድስ ኣብቲ ናይ ሽዑ ማእኸል ዕዳጋ ዝሕሰብ ዝነበረ ከባቢ ቤተ ክርስትያን ንምህናፅ መሬት ስለዝሰኣኑ ሓደ ብላታ ዓርኮ ዝበሃሉ ናይ ሽዑ ሃብታምን ዓብይን ሰብ "ገዛይ ኣፍሪስኩም ስርሑ።" ኢሎም ምስ ገፊሕ መሬቱ ሂቦሞም። ድልየት ደጃች ስባጋድስ ሰሚሩ ድማ እንዳ መድሃኒ ኣለም ቤተ ክርስትያን ተሰሪሑ ኣብ ግልጋሎት ውዒሉ።

ቁሩብ ፅንሕ ኢሉ ግን ነቶም መሬቶምን ገዝኦምን ዝሃቡ ሃፍታምን ዓብይን ሰብ ወዶም ሞይቱ ኣብቲ ቤተክርስትያን ይቕበር እሞ፤ ወሃቢ መሬት ብላታ ዓርኮ ድማ ኣብ ቀብሪ ወዶም ከምዚ ኢሎም ኣልቂሶም ይበሃል።
"ንመድሃኔ ዓለም ፅቡቕ ገበርኩሉ
(መምህር Muluworki Kidanemariam ካብ ዝፀሓፍዎ ዝተወስደ)

Visit tradional villages in  , witness the daily lives of communities, learning about their customs, belief, & practices...
03/04/2024

Visit tradional villages in , witness the daily lives of communities, learning about their customs, belief, & practices. Engage with local artisants, observing their craftsmanship & appreciating the intricate details of their creations.

Pic: Gebrehiwet Redae and Birhanu welday

© Hadgi Tourism

Coins have a unique significance in the history of Aksum. They are particularly important because they provide evidence ...
02/04/2024

Coins have a unique significance in the history of Aksum. They are particularly important because they provide evidence of Aksum and its rulers. The inscriptions on the coins highlight the fact that Aksumites were a literate people with knowledge of both Sabean, Geaz and Greek languages.

Let's Promote and Visit Tigrai ❤💛

©Layen Mawcha Gebrehiwot

  (ቲርቲራ):   game of   People, Tigrai    Saho language, Tirtira is one of the expressions of the identity and culture of ...
02/04/2024

(ቲርቲራ): game of People, Tigrai

Saho language, Tirtira is one of the expressions of the identity and culture of the Irob people. It is played in a where men sing and cheer the festive rhymes and take turns going down to the center in pairs; Tir Tir (jumping) is a amazing cultural game of the Irob people of Tigray. It is most played during various festivals such as Epiphany, Debre Gerizan Gundagundo St. Mary's Monastery and other special occasions.

#ቲርቲራ

#ብቋንቋ ሳሆ ቲርቲራ ዝበሃል ጨወታ ካብ መግለፂ መንነትን ባህሊን ህዝቢ ኢሮብ ሓደ ኮይኑ ኣብ ዓመታዊ ክብረ ባዓላት (ጥምቀት፣ 21 ኣስተርእዮ ማርያም) ዝፅወት ነቲ ብዓል ንምድማቅ ዝግበር ባህላዊ ፀወታ እንትኸውን ብተወሳኺ ድማ ኣብ ብዓለ ሺመት ነገስታትን፣ ኣብ ዓወትን ኣሸናፍነትን ዝፅወት ምቁር ባህላዊ ፀወታ ኢሮብ-ትግራይ እዩ።

#ቲርቲራ ኣገባብ ኣፀዋውትኡ ድማ ደቂ ተባዕትዮ #ክቢ ቅርፂ ብምስራሕ ንበዓል ዝገልፁ ስነ-ቃላት እናዜሙን ሁራ እናገበሩን ናብቲ ማእኸል ቦታ በብተራ ክልተ ሰብ ኾይንካ እናወረድካ፤ ቲር ቲር እናበልካ (እናዘለልካ) ዝጭወት ምቁር ባህላዊ ፀወታ ህዝቢ ኢሮብ ትግራይ እዩ።

#ብፍላይ ድማ ጥሪ 21 ኣብ ደብረ ገሪዛን ጉንዳጉንዶ ቅድስት ማርያም ገዳም ብፍሉይ ድምቀት ይጭወት።

,

© Teklish Fiyameta (Text) + Atsbha Gebreegziabher (video and pictures in Gundagundo)

Tigrai :The land of Miraculous Ancient Civilization   best tourism village  waw destination   future of tourism market  ...
01/04/2024

Tigrai :The land of Miraculous Ancient Civilization

best tourism village
waw destination
future of tourism market
sacred gheralta landscape
Arizona(second Arizona)
home of hewn churches
real place to visit

WhatsApp me via +251942741810

©Aregawi Zablon

30/03/2024

እንዳ ኣብርሃ ወ ኣፅብሃ ሙዝየም

Tigray rock hewn churches and mountains expert
Tigray Today/ትግራይ ቱደይ
@ተኽለወይኒ ኪዳነ ኣረጋዊ
©Tigray Mountain Trekking -TMT

30/03/2024

ገዳም ኣብርሃ ወኣፅበሃ | Abraha and Atsba Church Museum
---
እንዳ ኣብርሃ ወ ኣፅብሃ ሙዝየም

ኩለን ገዳማትና ተመሳሳሊ ሙዝየም ክህልወን ናይ ከባቢ ተወለድቲ ብምትሕብባር ንምስራሕ ድማ ንሕሰበሉ! ነባር ኣብያተ ክርስቲያናት እናፍረስና ሓዱሽ ንምስራሕ ካብ ምድካምን ቅርስታትና ካብ ምዕናውን ከምዚ ዝበለ ሙዝየም ንምስራሕ ንፈትን።

©Tigray Mountain Trekking

Tigrai Culture and Tourism Bureau

Mekonnen Yibrah
Aregawi Zablon
Goyteom Gebreegziabher
Gebree

Mikeal Mlhay Zengi Adiekli( ሚካኤል ምልሃይ ዘንጊ ዓዲ እኽሊ )
29/03/2024

Mikeal Mlhay Zengi Adiekli( ሚካኤል ምልሃይ ዘንጊ ዓዲ እኽሊ )

፫ ክፋል ብድሆታትን ግብረ መልሲ ራእሲ መንገሻን   ➖➖➖➖      ባሕቲ  መጋቢት 1881ዓ.ም መስዋእቲ ሃፀይ ዮሃንስ፣  ጀጋኑ መራሕቲን ኣባላት ሰራዊትን ኣስዒባ። ጣልያን ምስቲ ዝሻላበብን...
29/03/2024

፫ ክፋል
ብድሆታትን ግብረ መልሲ ራእሲ መንገሻን
➖➖➖➖

ባሕቲ መጋቢት 1881ዓ.ም መስዋእቲ ሃፀይ ዮሃንስ፣ ጀጋኑ መራሕቲን ኣባላት ሰራዊትን ኣስዒባ። ጣልያን ምስቲ ዝሻላበብን ምኩርን ሰራዊት ሃፀይ ዮሃንስ ናብ ዘይተርፍ ኲናት ኣትው ኣለኹ ኢሉ ሓያሎ ሰራዊት ካብ ሃገሩ ኣጉዒዙ። ንዚኦም ቀለብ ዝኸውን ናይ ስጋ ከፍቲ ካብ ሃገረ ህንዲ እዩ ብርካሽ ዋጋ ረኺበ ኢሉ ናብ ባፅዕ ኣምፂኡ። እተን ከፍቲ ብጉልሓይ (Rinderpest) ዝተለኸፋ እየን ነይረን። ሳዕቤኑ ድማ ካብ ባፅዕ ክሳብ ደቡብ ኢትዮጵያ ተራእዩን ተሰሚዕን ዘይፈልጥ ሞት ሰብን እንስሳን፣ ብርሰትን ምፍንቓልን፣ ምብኳር ማሕረስን ካሊእ መዋፍር ማእቶትን ኮይኑ።

ሕማም ክትከላኸል ዝከኣለሉ መንገዲ ይኹን ሓገዝ መውሃቢ ሜላ ሽዑ ስለዘይነበረ ዓድታት ባዲሙ፣ ማሕበራዊ መስተጋብር (social fabric) ተቃዊሱ እቲ ብብዕልን ራሕስን ዝምካሕ ዝነበረ ህዝብን ንኣሻሓት ዓመታት ባዕሉ ንባዕሉ ክኢሉ ዝኸይድ ዝነበረ ሃገርን ናብ ድከትን ዘይፈልጥዎ ዓይነት ድኽነትን ኣትዮም። በቲ ብባህሊ ዝፈልጦን ዝሰርሓሉን ዝነበረ ናይ ውሸባ መንገዲ (quarantine) ከይከላኸል ድማ ገልኢኦም ካብ መተማ ዝተመለሱ ዓርካናት ብብከባቢኦም እንዳተዋግኡ ነቲ ሞትን ጥሜትን ሓገዝ ይገብሩሉ ነይሮም።

ድሕሪ'ዚ ኩሉ ምድኻም፡ ኣብ ትውይን ምልስን፣ምጥጓጉን ድሕርን፣ ብሕጉጥን ሽርምምን መከራኦም ምዒጎም ዝፀንሑ ጣልያን ኣብ ዕለት 24 ታሕሳስ1882 ዓ.ም ግዝኣት ሰገር ባሕሪ ኢሎም ዝተመነይዋ ኤርትራ ብኣዋጅ መስሪቶም። ሰራዊት ራእሲ ኣሉላ ጣልያን ናብ ኣስመራ ክድይቡ ዝፈቐዱሎም ንጉስ ምኒልክ ቀንዲ ፀገሞም ናይ ትግራይ ዘይ ምግባር'ምበር ጥንተ መሬት ዓዲ ሓበሻ ይሸራረፍ ኣሎ ዝብል ኣይነበረን። ስዒቡ ዘካየዱዎ ስምምዓት ርኢኻ'ውን ከምኡ ዝበለ ስምዒት ከምዘይነበሮም ምርዳእ ይከኣል እዩ።
ጣልያን ንኤርትራ ከሊሉ ምስሓዘ ኣብቲ ብያታዊ መነባብሮ ተቆርንዩ ብኣብዝሓ ኣብ ማሕረስን ምፍራይ ከፍትን ተዋፊሩ ዝፀንሐ ህዝቢ ዓዲ ሓበሻ ዓበይቲ ለውጥታት ተራእዮም።

1) ኣብ ርክብ ህዝቢ ፅዕንቶ ዘይነበሮም ሩባታትን እምባታትን ከም መፍለይ ዓድታትን ቁሸታትን ገይሩ ክጥቀም ሓያሎ ትውልድታት ዘሕለፈ ብሓደ ቋንቋ ትግርኛ ዝረዳዳእ ዝነበረ ህዝቢ ንመጀመሪያ ጊዜ ብሃገራዊ ዶብ ዝፈለይዎ ክልተ ነናይ ባዕሎም መበቈልን ዕላማን ዝነበሮም መንግስታት ጣልያንን ምኒልክን እዮም። መምቀሊ ዝተብሃለ ሃገራዊ ወሰን ልሙድ ምንቅስቓስ ሰባት ቀስ ብቀስ ናብ ዘይንቡር ግቧትን መሰላትን ኣምሪሑ።

2)ምስቲ ድሕሪ ኲናት መተማ ዝተኸሰተ ተፈጥሮኣውን ሰብኣውን ፀገማት ብተነፃፃሪ ዝሓሸ ግልጋሎትን ሓገዝን ብወገን ጣልያን ይወሃብ ስለዝነበረ ብርክት ዝበለ ስብ ከምቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ናብ ባፅዕ ከይዱ ሓገዝ ሑሩጭ ይቕበል ነይሩ እዩ። በዚ ምኽንያት ካብ ኣብ ደቡብ መረብ ዝነበረ ብዙሕ ሰብ መረብ ሰጊሩ ምስከደ ዝበዝሕ ከይተመለሰ ኣብኡ እዩ ተሪፉ። ኣብ ኤርትራ ምስቲ ምዕባለ ከተማ ደቂ ዓዲ ኮይኖም ዕዙዝ ኣበርክቶ ናይ ዝገበሩ ስሙያት ሰባት ታሪኽ'ውን ምስዚ ዝተሓሓዝ እዩ።

3) እቲ ብመንግስቲ ጣልያን ዝተኣታተወ ዘመናዊ ስራሕቲ ብርክት ዝበለ ብጉልበትን ናብ ወታደራዊ ኣገልግሎት ዝኣትውን ሰባት ይጠልብ ስለዝነበረ ኣብኡ ንምስራሕ ዝደልዩ ሰባት ካብ ክልቲኡ ወገን መረብ ብበዝሒ ተሳቲፎም እዮም ። ደቆም ኣብቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝፈቐዶ ደረጃ ትምህርቲ፥ ዕድል ዝረኸቡሉ ኩነታት ነይሩ።

ከም መጠን ባዕዳዊ ገዛኢ፥ መግዛእቲ ጣልያን ጥዑም ገዛኢን ፍሉይን ነይሩ ማለት ኣይኮነን። ነቲ ዝፀንሐ ማሕበራዊ ህንፃ ኣፍሪሱ ብናይ ባዕሉ ሞዴል ክቐርፅ ክብል ብሕልፊ ነቶም ኣብ ላዕለዋይ ቀፀላ ማሕበረሰብን ያታዊ መሪሕነትም ዝፀንሑ ደቀባት ጨካን ስጉምቲ ይወስድ ነይሩ። ያብ ደሴታት ቀይሕ ባሕሪ ከይተሓፀረ ናብ ዓዲ ጥልያን'ውን ኣግዒዙ ናይ ብዙሓት ሃለዋት ኣጥፊኡ እዩ። ብዙሓት ድማ ናብ ኢትዮጵያ እንዳተሰደዱ ቃልሶምን ህይወቶምን ብዘይሓሰብዎ መንገዲ ፈፂሞም።

ካብዚኦም ተጠቃሲን ስሞም ኣብ ታሪክ ተደጋጊሙ ዝለዓልን ራእሲ ወልደሚካኤል ሰለሞን (ሃዘጋ) እዮም። ገፅ ጥልያን ንዘይምርኣይ ናብ ዓዶም ከይተመለሱ መዋእሎም ኣብ 1898 ኣብ ኣኽሱም ፈፂሞም ኣብ ቀፅሪ ቤተ ክርስትያን ማርያም ፅዮን ብዓብዪ ክብርን ስነስርዓትን ተፈፂሙ።ዘርኦም ኣብ ትግራይ ከይጠፍኦም ኣዋልድ ደቆም ምስ ንቡረእድ ወልደጊዮርጊስ ኣኽሱምን ደጃች ምሩፅ ገብረኣምላኽ ወዲ ሹም ዓጋመ ወልዱን ኣዋሲቦም። መራሒ ኢህኣፓ ዝነበረ ብርሃነ መስቀል ረዳ ወዲ ጓል ወዶም ንደጃ ምሩፅ እዩ። ሳልሰይቲ ስመን ዘይሓዝኩወን ጓል ራእሲ ወልደሚካኤል ሰለሞን ኣብ እንትጮ ተወለድቲ ኣለውወን።

ብተወሳኺ ሃፀይ ምኒልክ'ኳ፣ "ካብ ሽሕ ኣምሓራ
ሓደ ኣበራ"
ኢሎም ዘሞገስዎም ደጃች ኣበራ ተወላዲ ደጃች ሃይሉ ተወልደመድህን (ፀዓዘጋ) ናይ ሃርበኝነት ቃልሶም ኣብ ኤርትራ ጀሚሮም ናብ ኢትዮጵያ ሰጊሮም እዮም ቃልሶም ቀፂሎም።
ዝርዝሩ ከይህክይ ኣብዚ ከሕፅሮ'ምበር ብዙሕ ክውሰኽ ምኸኣለ።(ኣብ ናይ ዶ/ር ደጃች ዘውደ ገብረስላሴ መፅሓፍ ብስፍሓት ተፃሒፉ ኣሎ።)

በዚ መሰረት ካብ ትግራይ ናብ ኤርትራ ዝሰገሩ ስድራ ቤታት ዝገበርዎ ኣበርክቶ ኣልዒልካ ንምዝርዛር ምፍታን ናብ ዘይውፃእ ዓቐብ ንምድያብ ምፍታንን ዘይከኣልን እዩ። ክትዕ እንተተድልዩ ግን ዜጋታት ምስኮኑ ተወዲኡ እዩ ምባል ይከኣል ይኸውን እዩ'ምበር መበቈሎምን ትውልዶምን ደምሲስካካብ ግምት ብታሕቲ ክትገብሮ ኣይትኽእልን።
ኣብ መንጎ ሰራዊት ጣልያንን (ንኤርትራ ምስሓዘ) ሓይልታት ሃፀይ ምኒልክን ተቐርቂሮም ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ሰራዊት ትግራይ ናይቲ ዝተመቐለ ህዝቢ ሓድነት ንምምላስ ክሳብ ብዙሓት ጀጋኑ ዝተሰውኡሉ ኲናት ኮዓቲት ዝከኣሎም ውግኣት ኣካይዶም።

ፀላኢ ንምንካይ ብዝብል ራእሲ መንገሻ ትርጉም ኣልቦ ዝኾነ "ውዕል መረብ" ዝብል ስምምዕ ምስ ጣልያን ኣትዮም ብክልቲኡ ወገን መፅሓፍ ቅዱስ ጠቒዖም ነይሮም።እቲ ሰንካም ስምምዕ ተጋሩ ዝተገርሁሉ'ምበር ፍረ ነገር ኣየምፀአን። ብዝገደደ'ውን ካብ ኤርትራ ንጣልያን ተቓዊሞም መረብ ዝሰገሩ ሰባት ኣሲርካ ንጣልያን ምሃብ ዝብል ስለዝነበሮ ራእሲ መንገሻ ዓብዪ ጌጋ ፈፂሞም።

ሓደ ኣብነት ወዲ ጓሎም ንልጅ ሓጎስ ምርጫ (ሓው ሃፀይ ዮሃንስ) ኣብ ከባቢ ማይ ፃዕዳ (ሰራየ) ካብ እኖኦም ወ/ሮ ደስታ ሓጎስን ኣቦኦም ኣቶ ብሩ ወልደገብርኤልን ዝተወለዱ ልጅ በየነ ዝበሃሉ እዮም ነይሮም። ራእሲ ኣሉላ ኣሕሊፈ ንጥልያን ኣይህብን እንዳበሉ እንዳሃለው ራእሲ መንገሻ ንካልኦት ኣዚዞም ኣሲሮም ሂቦሞም። ጣልያን ድማ ነዞም ሃርበኛ ቀረባ ሓው ራእሲ መንገሻ እዮም ከይበለ ብሞት ፍርዲ ቀፂዕዎም። እዚ ከቢድን ዘይሓልፍን ጓሂ ዝፈጠረ እዩ።
"ጣልያን ውዕሊ መረብ ጠሊሙ ምስ ምኒልክ ምስምማዕ ይሕሸኩም ኢሉ ምስ ኣቕበፀ እዩ ናብ ምግጫው ተኣትዩ ናብታ "ኰዓቲት ንመተማ ጓላ" ዘበለት ምርፃም ዝተበፅሐ።

ድሕሪ ኲናት ኰዓቲት ድማጣልያን መላእ ትግራይ ሒዙ ናብታ ሓዱሽ ግዝኣቱ ንምጥቕላል ተንቀሳቒሱ ኣብ ዓድዋ ክበፅሕ እንተሎ ሃፀይ ምኒልክ ነታ ዘየገበርዋ ትግራይ ከገብር ኢሎም ናብ ወራር ትግራይ መፂኦም። እቲ ዝገርም ጣልያን ንዓድዋ ምስ ኣተው "ንምንታይ ካብ መረብ ሓሊፍኩም ዓድዋ ኣቲኹም?" ተባሂሎም ምስተሓተቱ፣ "ሃፀይ ምኒልክ ናብ ትግራይ ክመፁ እንተለው ጥንኩር ተቓውሞ ከየጋጥሞ ፀቕጢ ንምፍጣር ኢልና ኢና።" ዝብል ምላሽ ምሃቦም እዩ።

እዚ ኩነታት'ዚ ትግራይ ባዕላ ክኢላ እትጓዓዘሉ ብተነፃፃሪ ናይ ዓርሰ ምምሕዳር ቅርፂ ናብ ዝቅህመሉ ጉዕዞ ወሲዱ።ኣብ መንጎ ክልተ ሓያላት፡ ጥንኩር ፃዕሪ እንተዘይጌርካ ሓያል ኮይንካ ምፅናሕ ከቢድ ከምዝኾነ ክራኣይ ድማ ጀሚሩ።
( ክቕፅል እዩ።)
Kidanemariam

፪ይ ክፋል ትግራይ ኣብ ኢድ ራእሲ መንገሻ ዮሃንስ➖➖➖➖➖ “ እታ ክፅበያ ዝፀናሕኹ ዳይነት ኢትዮጵያ ሕዚ ኣብ ኢደይ ኣትያ።” ንዝበሉ ናይ ሽዑ ንጉስ ሽዋ ምኒልክ ዳዕሮኦም በሲላትሎም። ቅድሚ...
29/03/2024

፪ይ ክፋል

ትግራይ ኣብ ኢድ ራእሲ መንገሻ ዮሃንስ
➖➖➖➖➖

“ እታ ክፅበያ ዝፀናሕኹ ዳይነት ኢትዮጵያ ሕዚ ኣብ ኢደይ ኣትያ።” ንዝበሉ ናይ ሽዑ ንጉስ ሽዋ ምኒልክ ዳዕሮኦም በሲላትሎም። ቅድሚ ብዕሊ ናብ ንግስና ምብፀሖም "ውዕል ውጫሌ ኣብ ጽባሕ ወርሒ መስዋእትነት ሃፀይ ዮሃንስ ፈሪሞም። ካብ ወረስቲ ኣልጋ ሃፀይ ዮሃንስ ክመፆም ዝኽእል ተፃብኦ ንምውጋድ ንሃገር ሳዕቤን ይሃልዎ ኣይሃልዎ መፃወድያታቶም ምዝርጋሕ ጀሚሮም። ካብዚኦም ሓደ ዝነበረ ውዕል ውጫሌ ምስ ተፈረመ "ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ " 'ታሪክን ሕብረተሰብን' ኣብ ዝብል ክፋሉ፥

"Treaty of Wichale, (May 2, 1889), pact signed at Wichale, Ethiopia, by the Italians and Menilek II of Ethiopia, whereby Italy was granted the northern Ethiopian territories of Bogos, Hamasen, and Akale-Guzai (modern Eritrea and northern Tigray) in exchange for a sum of money and the provision of 30,000 muskets and 28 cannons." ብዝብል እዩ ፀብፂቡ።

ስለዚ ውዕል ውጫሌ፥ ቦጎስ (ከረንን ከባቢኡን፣ 4ሓማሴንን ኣከለጉዛይን (ናይ ሎሚ ኤርትራን ሰሜን ትግራይን) ብውሑድ ገንዘብ፣ 30,000 ጠባናጁን 28 መዳፍዕን ንምልውዋጥ ተባሂሉ እዩ ውዕል ውጫሌ ተፈሪሙ። ኣብቲ ኣዋን ናይ ጣልያን ድልየት መረብ ዝሰግረሉ መርገፂ እግሪን መንጠሪን ንምርካብ ክብሉ እዮም ነታ ትሕዝቶ ደልዮማ። ኣብ ዳሕራይ መልዓሊ ነገር ክኾኖም ዝኽእል ዓንቀፅ 17 ኣንቶኔሊ ብጥልያንን ብኣምሓርኛን ከእትው እንተሎ ብፍላጥን ኮነ ኢሉን እዩ። ስልጣንካ ብፊርማ ናይ ምስዳድ ጉዳይ እሙናት ፈተውቲ ረኸብና ኢሎም ንዝሓሰቡ ምኒልክ ክሳብ ሓደ ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን ዝመልእ ተረዲእዎም ዝነበረ ኣይመስልን።

ንዓይ ፈትዮምን ናይ ዶጋዓሊ ሕነኦም ክፈድዩን ዝመፁ ጣልያን ንግስናይ ኣይምንጥሉንን ኢሎም ኣሚኖም እዮምን ኣብታ "ሓገዝ ጣልያን እንተኣድልይዎም ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም።" እትብል ሓረግ ትርጉም ኣምሓርኛ እፍርም ኣለኹ ኢሎም እዮም ናብ ዘይሓሰብዎ ደምነት ንሃገር ለኪሞም ኣትዮም።ኣብቲ ምፍዳይ ሕነ ክሕግዝ እየ ኢሎም ምንባሮም ከይረሳዕና ማለት እዩ።

ብወገን ንጉስ ምኒልክ ቀልጢፎም ንጉሳዊ ዘውዲ ንዘይምፅዓን ዝኽልከሎም ክልተ ምኽንያታት ነይሮሞም። ቀንዲ ተነሓናሕቶም ዝበልዎም ራእሲ መንገሻን ራእሲ ኣሉላን ስለዝነበሩ ናይዚኦም ጉዳይ መዕለቢ ከይገበርካ ነጊሰ ኣለኹ ምባል ዘጠራጥር ኮይኑ። ኣቦታት ቤተክርስትያን ሓቲቶም'ውን ምስቲ ድርቅን ዓፀቦን ሃገር ተዛሚዱ ሕማቕ ፋል ብኣኹም ከይሳበብ መዓልቲ ይሕለፈልኩም እዮም ተባሂሎም።

ካልኣይ ድማ ኣብ ዘይሕሱብ ዕለት ዘጋጠመ መስዋእቲ ሃፀይ ዮሃንስ ብኣርመናውያን ጥበበኛታት ክስራሕ ዝተብሃለ ናይ ንግስና ዘውዲ፣ ስልማታት፣ ሃሪ ኣልባሳትን ምድላው ድግስን ኩሉ ጊዜ ዝወስድ ነይሩ'ሞ ከም ትምኒቶም ኣይቀልጠፈን። ስለዚ ከምንቡር ኣኽሱም ኪድካ ምንጋስ ዘይሕለም እንተነበረ'ውን ኣብ ኪዳነምሕረት እንጦጦ ንዝግበር ውራይ ንምክያድ ዓቐብ ኮይኑ።

ንተጋሩ ወረስቲ ሃፀይ ዮሃንስ ግን ውዕል ውጫሌ ምፍራሙ ቅሉዕ ጥልመትን ክሕደትን እዩ ነይሩ። ጥንታዊ ምድሪ ባሕሪ ዓዲ ሓበሻ ኣሕሊፎም ክህቡ ምሕሳብስ ይትረፍ ዝተዳኸመን ዝተመቓቐለን ሓይሊ ሰቦም ከይኣከቡ እናሃለው'ኳ ዘውድን ስልጣነ መንግስትነትን ካብ ኢዶም ይወፅእ ከምዝነበረ ኣይኣመኑን ነይሮም።

"መረብ ምላሽ" ተባሂሉ ኣብ ዝተተርጎመ መፅሓፉ ከምዝገለፆ ጣላይን ኣብ ልዕሊ ሓይልን ፅንዓትን ተጋሩ እንተይዘሚትካ መእተዊ ነዃል ከምዘይርከብ ናይ ዊዓን፣ ሰሓጢን ተመክሮኦም ኣምሂርዎም ነይሩ። እታ ጥቕሲ ከምዚ ዝስዕብ ትብል።

"እቲ ገማግም መንቀሊኡ ካብ ከባብታት ባጽዕ ኰይኑ፡ ንደቡብ ገጹ እናተጋፍሐ፡ ካብ ገማግም ወሽመጥ ዓደን ድማ ክሳብ እምባታት ሽዋ ስለ ዝዝርጋሕ፡ ዘሎ ራሕቂ ነዊሕ ብምዃኑ፡ ሰብ ዘይነብረሉ በዱ ኣውራጃታት ሽዋ ( ብዘይካ ሃረር) ኣብ ሞንጎ ስለ ዝርከቡን፡ ትግራይ እዩ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ሰፊሩ፡ ብዝቐለለ መንግዲ ፡ ብረት/ስንቂ/ኣማኸርቲ/ ገንዘብ እናሰነቐ ጸብለልትነቱ ከረጋግጽ ክኢሉ። ምናልባት'ውን ንሕና (ኢጣልያ) ንሽዋ ኣርቢሕና ንትግራይ እንተዘይንጸቕጦ እቲ ጸብለል ከምኡ ኢሉ ምቐጸለ ነይሩ።" (መረብ ምላሽ ገፅ16)

ኣብ ናይ ቦሩ ሜዳ ጉባኤ ተራኺቦም እናሃለው ሃፀይ ዮሃንስ ንንጉስ ምኒልክ ዝነገርዎም ብዛዕባ ምስ እንግሊዝ ዝተገበረ ተስፋ ውዕል ምምላስ ባፅዕ ዝህልዎ ሳዕቤን ከይተረደኦም ኣይተረፈን። ሕብረት ሰሜን ዓዲ ሓበሻ ዕንቅፋት ምጭባጥ ዘውዲ ከም ዝኸውን ስለዝተረደኦም'ውን እዮም ኣብ ውዕል ውጫሌ ዝሰፈረ ዓንቀፅ 3 (ምድሪ ባሕሪ ንጣልያን ኣሕሊፉ ዝሃበ) እናተረደኦም ተቐቢሎም ዝፈረሙሉ።

ብወገን ንጉስ ምኒልክ ቀልጢፎም ንጉሳዊ ዘውዲ ንዘይምፅዓን ዝቐሰብዎም ክልተ ምኽንያታት ነይሮም። ቀዲ ተነሓናሕቶም ዝበልዎም ራእሲ መንገሻን ራእሲ ኣሉላን ስለዝነበሩ ናይዚኦም ጉዳይ መዕለቢ ከይገበርካ ነጊሰ ኣለኹ ምባል ዘጠራጥር ኮይኑ።

እዚ ኩሉ ምስቲ መሳፍንቲ ትግራይ ክሰምሩ ዘይምኽኣሎም፣ ራእሲ መንገሻ ገና መንእሰይ ምንባሮምን ናይ ጣልያን ኣብ ሕምብርቲ መሬት ሓበሻ ተረይጡ ደቀባት እንዳኣፋናቐለ ሰራዊት ብምዕላም ‘ስዋአን ብጡጠን‘ ነቲ ህዝቢ ከዳኽም ምጅማሩን ቀሊል ዘይበሃል ተግዳሮት እዩ ነይሩ።

እቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝነበረ ፅልዋ ዓዲ ሓበሻ ምስ ምምፃእ ጣልያን ጥራይ ዝተሓሓዝ ጌርካ ምሕሳብ ጌጋ እዩ። ምስ ምዕባለ ኣውሮፓን ግንነት ኦቶማን ቱርክን ተተሓሒዞም ብዝተፈጠሩ ክስተታት ታሪኽ ምኽንያት ጠረፍ ቀይሕ ባሕርን ገሊኡ መዳውብቱ ቆላታትን ንልዕሊ ኣርባዕተ ሚእቲ ዓመታት መራግፅ ካልኦት ባዕዳውያን ኮይኑ ፀኒሑ እዩ። ናብዚ ዝተበታተኸ ቅልውላው ንምእታው ግን መሃንድስነት እንግሊዝን ተግባርነት ጣልያንን የድልይ ነይሩ።እዚ ንምርግጋፅ ካብቲ ውሽጣዊ ዓዲ ሓበሻ ብጥልመት ዝስለፉ ስለዘድለየ ውዕል ውጫሌ ካብ ነዊሕ እዋን ዝተሰርሓሉ ጥጡሕ ምንፃፍ ኮይኑ።

በዚ ምኽንያት ድማ እቲ ካብ ከበሳታት ናይ ሎሚ ኤርትራ ንደቡብ ዝርከብ መሬት ኣብ ትሕቲ ሃፀያዊ ግዝኣት ኮይኑ ምስ ኣቢሲንያ (ዓዲ ሓበሻ) ተደሚሩ ይፅዋዕ ብምንባሩ ኣብኡ ኣብ ዝርከብቡ ህዝብታት ፅዕፁዕ ወፍሪ ምክያድ ኣድልዩ። እቲ ናብ ዓዲ ሓበሻ ዘቕነዐ ወራራት ኩሉ ብኡ ኣቢሉ ስለዝመፀ ተዋስኦ ውግኣትን ኲናታትን ብሙሉኡ ኣብዚ ከባቢ ንኽካየዱ ናይ ግድን ኮይኑ።

ኣብ ኮንፈረንስ በርሊን መራሒ መንግስቲ ጀርመን ቢስማርክ መሪሕዎ ክካየድ እንተሎ ሃፀይ ዮሃንስ ናይቲ ዓብይ ገድሊ መራሕን ተሰላፍን ኮይኖም እምቢታን ተስፋን ፀለምቲ ህዝብታት ንምግሃድ ታሪኽ ሓፅይዎም። እዚ እንዳኣለዩ ከለው እዮም ኣብ ከበባ ናይ ደገን ናይ ውሽጥን ፀላእትን ኮይኖም ጀጋኑ ኣፍርዮም ብሃርበኝነትን ብጅግንነትን ዝወደቑ።

ራእሲ መንገሻ ነዞም ፀገማት’ዚኦም ንምፍታሕ ብክልቲኡ ወገን ሩባ መረብ ዝነበሩ ሓይልታት ነቲ ብውጫሌ ዝመፀ ኣበሳ ንምብርዓን ሓያል ተጋድሎ ኣብ ዝድለየሉ እዋን እዮም ተፈጢሮም።

3ይ ክፋል ክቅፀል እዩ ➖
Kidanemariam

ትግራይ ኣብ ኢድ ራእሲ መንገሻ ዮሃንስ-----                   ፩ ክፋል  "ነገር ራእሲ መንገሻ ዘይብልኩም ሜላ፡እተስዓርኩም ብናይ ጣልያን ማሕላ፡ዝኣተኹም ብናይ ድኻ ምህለላ፡ንመ...
29/03/2024

ትግራይ ኣብ ኢድ ራእሲ መንገሻ ዮሃንስ
-----
፩ ክፋል
"ነገር ራእሲ መንገሻ ዘይብልኩም ሜላ፡
እተስዓርኩም ብናይ ጣልያን ማሕላ፡
ዝኣተኹም ብናይ ድኻ ምህለላ፡
ንመተማ ኰዓቲት ጓላ፡
ኣባ ነጋ እንተዝህሉ ኣሉላ፡
ሓንቲ ወገን ኣንፊ መውፀአላ፡
ጐይታ ሰራየ ምስ ተኸላ፡
ጐይታ ሓማሴን ምስ ኣስገደ በቕላ፡
ጐይታ ሃገረ ናግራን ምስ ከሰላ፡
ሰደዱኹም በዓል ንብላ ንብላ፡
ፀሎት ዘይብሎም ብዘይ ጓይላ፡
ትርፎ ደርፊ ዘይብሎም ምህለላ፡
ስረኹምስ ሽዋ ተሰቒላ።
("ቅኔ ሓበሻ ገፅ 6")

ብዕለት 23 የካቲት 2016 ዓ.ም 118 ዓመት በዓል ኲናት ዓድዋ ክነብዕል ኣብ ከተማ ዓድዋ ነይርና። ዝሓሰብኩ ሓሲበ ሽዑ ነዛ ኣብ ታሕቲ ጥቕሲ ኣእቲወያ ዘለኹ ፅሕፍቲ ኣብዚ ኣብ ፌስ ቡክ ጠቂዐያ።
"ውዕል ውጫሌ ኣደናጊራ።
ውዕል ፕሪቶርያ ግን እተደናግር ኣይብላን ።
ዝተደናገሩ ሸፋጦ እዮም።"ትብል ነይራ። ሎሚ ካብቲ ዝሓሰብኩዎ ክቕፅለሉ ደልየ።

ኣብታ ዕለት 23 የካቲት ኩሉ ኣብ ዓድዋ ዝዋዓለን ኣብ ካሊእ ዝነበረን ሰብ ከከም ርድኢቱ፣ ፍልጠቱን ዕላምኡን ኮይኑ እዩ ነቲ በዓል ዘኪርዎ። ብናይ ባዕሉ ርድኢት ተላዒሉ እቲ በዓል ክኽበር ዘይደልዮ ሰብ ኣይተስኣነን። "ንዓና ኣይ እንታይናን፣ ሓደ ህዝቢ ኣብ ክልተ ክምቀል ዝገበረ እዩ፣ ናይ ስዕረትና መዓልቲ እዩ፣ ወዘተ " ዝብሉን ካልኦት ፍልይ ዝበሉ ሓሳባትን'ውን ተራእዮም እዮም።

ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ክኽበር ግቡእ እዩ። ንምፍልላይ ዝቐርቡ ሓሳባት ጥንክር ዝበሉ ክኾኑ ድማ ይምረፅ።እስቲ ምስቶም ሕድሪ መንግስቲ ናብ ኢዶም ምስሓለፈን ብዙሕ ተስፋ ዝተገበረሎምን ራእሲ መንገሻ ዮሃንስ ሓፃር ህይወት ኣተሓሒዝና ንርኣዮ።

ኣብ 1860 ዓ.ም (ኣ.ኢት) እዮም ራእሲ መንገሻ ዮሃንስ ተወሊዶም። ኣብ እዋን ንግስና ሃፀይ ዮሃንስ ራብዓይ ዕድመ 5 ዓመት ቆልዓ እዮም ነይሮም።

ብዛዕባ ወዲ መንነት ራእሲ መንገሻ ብቃልን ብፅሑፍን ብዙሕ ይበሃል እዩ። ወዲ ሃፀይ ዮሃንስ እዮም ኣይኮኑን ወዲ ሓዎም እዮም ብዝብል ዝተፈላለዩ ሰባት ዝተፈላለዩ ነገራት ይዛረቡ። ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ብእንግሊዝኛ ተመሓይሹን ዓብዪን ዝወፀ ዶክተር ደጃዝማች ዘውዴ ገብረስላሴ (ወዲ ጓል ወዶም ንራእሲ መንገሻ) ዝፀሓፉዎ ታሪክ ሃፀይ ዮሃንስ ነቲ ከይበርሀ ዝፀንሐ ጉዳይ ከምዚ ዝስዕብ ኢሎም ፅሒፎምዎ ኣለው።

“ኣብ ውልደት ራእሲ መንገሻ ዮሃንስ ዘጋጥም ደንገርገር እኖኦም ወይዘሮ ተኽለ (ወለተ ተኽለ ሃይማኖት) ንዓብይ ሓው ሃፀይ ዮሃንስ ንደጃች ጉግሳ ምርጫ ተሓፅየን ስለዝነበራ ምስኡ ብዝተተሓዘ እዩ። በዚ ምኽንያት መንገሻ ጉግሳ ብዝብል ስም ማለት ብስም ዓብዪ ሓዎም ንሃፀይ ዮሃንስ እዮም እንዳተፀውዑ ዓብዮም። ንቐደም ወራሲ ኣልጋ ዝተብሃሉ ራእሲ ኣርኣያስላሴ ዮሃንስ ብሕማም ምስዓረፉ ግን እቲ ሰራዊቶም ንሓዎም ንራእሲ መንገሻ ተዋሂቡ። ራእሲ ዝብል ማዓርግ’ውን ሽዐ እዩ ተዋሂብዎም።”(ገፅ 38)

እዚ ማለት ኣብ ከባቢ 21 ዓመት ዕድሚኦም እዩ ዝኸውን ዘሎ። ነዚ ተቐቢሎም ገና ሓደ ክልተ ወርሒ ከይመልኦም እዮም ናብ መተማ ዘሚቶም።ብርግፅ ራእሲ ኣሉላ ከብ መዝነት ኣዛዚ ሰራዊትነት ወሪዶም ስለዝነበሩ ምስቶም መንእሰይ ራእሲ መንገሻ ኮይኖም ከመርሑ እዩ ተገይሩ ነይሩ። ሃፀይ ዮሃንስ እቲ ኲናት ብፀብልትነት ሰራዊቶም እንዳተፈነወ እንተሎ እዮም ኣብ መንጎ ብድንገት ብጥይት ተወጊኦም።

ለይቲ ኣበ ቃነዛ ሓዲሮም ምስተወፅዑ ንእጨጌ ቴዎፍሎስን ካልኦት ዓበይቲ መኳንንትን ፀዊዖም ራእሲ መንገሻ ወዶም እምበር ወዲ ሓዎም ወዲ ደጃች ጉግሳ ከምዘይኮኑ ቃል ሂቦም። ቀፂሎም’ውን ወራሲ ኣልጋኦም ራእሲ መንገሻ ከምዝኾኑ ኣፍሊጦም ኑዛዜ ቃል ሂቦም ይብሉ ደጃች ዘውደ ገብረስላሴ ኣብቲ ቅድሚ ዕረፍቶም ዝገደፉልና መፅሓፎም።

እቲ ቃለ ኑዛዜ ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ መተማ ዝበፀሐ ጉድኣት ነቶም ቀረባ ስድራ ቤት ሃፀይ ዮሃንስ ኣብ ክንዲ ዘተሓባብሮም ዘፈላለዮም እዩ ኮይኑ። “ንሕና’ውን ደቂ ሓዎምን ናይ ቀረባ ስድራ ቤቶምን ስለዝኾንና እቲ ውርሻ ዘውዲ ማዕረ ይብፃሓና እዩ።” ዝብል ንሕንሕ ዝፈጠሩ መሳፍንቲ ናይ ራእሲ መንገሻ ኣልጋ ወራስነት ኣይተቐበልዎን።

ፀሓፍቲ ታሪክ ሎሚ’ውን ኣብ ክልተ ተመቒሎም ”ወዶም እዮም’ባ ኣይኮኑን ወዲ ሓዎም እዮም’ባ።” ዝብል ፅሑፋት የውፅኡ እዮም። ደጃች ዘውደ ዝወሰኽዎ ሓዱሽ ሓሳብ እንተሃለወ ግን ንኮንቲ ሮሲኒ ጠቒሶም “ራእሲ መንገሻ ድሕሪ 12 ኣዋርሕ ሞት ደጃች ጉግሳ እዮም ተወሊዶም’ሞ ወዲ ሓዎም ንሃፀይ ዮሀንስ ክኾኑ ኣይኽእሉን።” ዝብል’ዩ።

እዚ ድማ ባዕሎም’ውን ብቀረባ ንዝፈልጡ ብዙሓት ዓበይቲ ሰባት ሓቲቶም ዘረጋገፅዎ ከምዝኾነ ወሲኾም ይገልፁ። ሃፀይ ዮሃንስ ወዶም እንተዘይኾኑ ነይሮም ንራእሲ መንገሻ ወዲ ሐወይ ኢሎም ወራሲ ኣልጋይ ንምባል ዝኽልክሎም ነገር ኣይምሃለወን። እቶም ወራሲ ዝተብሃሉ ብናይ እኖኦም ወገን‘ውን እቲ ሸዑ ዝእመነሉ ናይ ንግስነት ትውልዲ ምስቶም ንጉስ ማዕረ ስለዝነብፀሖም እቲ ተደላይ ነገር ዘማልኡ እዮም ነይሮም ይብሉ ዶ/ር ደጃች ዘውደ ገብረስላሴ።

ራእሲ መንገሻ ገና መንእሰይ ወዲ ዒስራን ሓደን ዓመት ከለው እዩ አቲ ኣብ መወዳእታ ዘበነ መንግስቲ ሃፀይ ዮሃንስ ዘጋጠመ ኩሉ ሕልኽልኻት ንክስከሙ ኣልጋ ወራስነት ብኑዛዜ ሓሊፉሎም። ካብ ስድራ ቤቶምን ኣዝማዶምን ዘይረኽብዎ ሕብረት ግና መላእ ትግራይን ኢትዮጵያን ኣተሓባቢሮም ወረርቲን ናይ ውሽጢ መኹረምበጦ ሓይልታትን ክምክቱ ብዝብል ተስፋ ተነቢሩሎም ነይሩ።

በቲ እዋን፡ ዝነበሮም ሓደ ጥንኩር ተስፋን ሓይልን ግን ኣብቲ እዋን ኑዛዜ ሕድሪ ሃፀይ ዮሃንስ ዝተቐበሉ ራእሲ ኣሉላ ዝደገፍዎም ምንባሮም እዩ። ናይ ሃፀይ ዮሃንስ ምኩር ሰራዊት( "proud army" ትብሎ ክሪስ ፕሩቲ) በቶም ዝተመቓቐሉ መሳፍንቲ ከም ቀደሙ እንተዘይነበረ’ውን ካብ ፅልዋን ፅዕንቶን ካሊእ ድልየት ዝነበሮም መስፍናዊ ሓይልታት ነፃ ንምዃን ጥንኩር ናይ ኣመራርሓ ክእለትን ብሱል ተመክሮን የድልዮ ነይሩ።

(ዝስዕቡ ክፋላት ኣለው።)
kidanemariam
Tigrai Culture and Tourism Bureau

ገዳም አቡነ ገሪማ - ዘገብረ ተኣምር‼️ ---------------------------------------------አብ ኢትዮጵያ ንምስፍሕፋሕ ክርስትና ቀንዲ ምክንያት ዝኮኑ አብ ሻድሻይ ክፍለ ...
29/03/2024

ገዳም አቡነ ገሪማ - ዘገብረ ተኣምር‼️
---------------------------------------------
አብ ኢትዮጵያ ንምስፍሕፋሕ ክርስትና ቀንዲ ምክንያት ዝኮኑ አብ ሻድሻይ ክፍለ ዘመን ምምፃእ ተስአቱ ቁዱሳን እዩ።
እንዳ አባ ገሪማ ገዳም ካብ ከተማ ዓድዋ ንኣንፈት ምብራቅ ብመኪና አስታት 10 ደቂቃ ብእግሪ ድማ 30 ደቂቃ ዝወስድ ጉዕዞ ድሕሪ ምጉዓዝ ታሪክ ዝተፈፀመሎም ሰንሰለታዊ ጎቦታት ዓድዋን ካብ ትግራይ ብንውሐቱ ካልአይ ዝኮነ ጎቦ ሰማያታ ብማዕዶ እናረአካ ተፈጥሮአዊ አቀማምጣ ምድሪ እናድነቅካን ናብቲ ገዳም ትበፅሕ ።

አብቲ ገዳም ምስ በፃሕካ ፊት ንፊትካ እትረክቦ ናይ ቅድስቲ ማርያም ቤተክርስትያንን ተምሳሌት መቃብር ናይቲ ዉሩይ አፍሪካዊ ጀነራል ራእሲ አሉላ አባ ነጋ አዩ። ናብዚ ገዳም ደቂ አንስተዮ ንክአትዋ አይፍቀድን ስለዚ ካዓ እዩ እዚ ተምሳሌት መቃብር እትርኢ/እተሰርሐ።

ካብ እንዳማርያም ቤተክርስትያን ቀፂልካ እትረክቦ አቡነ ገሪማ ገዳም እዩ።አተሃናንፃ እዚ ገዳም እንትትንዕዘብ ናይ አርባዕት መአዝን ቅርፂ ዘለዎ ብዉሕሉል ቅርፂ አፀራርባ እምኒ ተፀሪቡ ዝተሃንፀ ናይ አክሱማዊ ጥበብ አተሃናንፃ ዝዓረፎ እዩ። ብተወሳኪ እውን መቃብር ራእሲ አሉላ አባ ነጋ ትረክብ። ውሽጣዊ ትሕዝትኡ እንትትዕዘብ ድማ አብ መንደቅ ዝተስአሉ ስእልታት አማልክቲ ትርኢ።
እዚ ገዳም ልዕሊ 1500 ዓመት ዝፀንሐ ሐድጊታት ሐቁፉ ዝሐዘ እዩ።

ካብአቶም አብ መጀመርያ 6 ክፍለ ዘመን ዝተፅሐፉ አብ መላእ ዓለም ካብ ዘለዉ ናይ ወንጀል/ወንጌል ናይ ሃይማኖት ክርስትና መፃሕፍቲ እቲ ናይ መጀመርያ ዝኮነ፤ ኣብዚ መፅሐፍ ዝተስአሉ ስእልታት ረቂቅ ናይ ስነ ህንፃ አተሃናንፃ ዝዓረፈሉ፣ ናይ ስርዓተ ቀኖና ቤተክርስትያን ቅዱሳን መፃሕፍትን ፣ናይ ወንጌላውያን ምሰሊ ምስ አብነታት ዝሐዘ ብኢድ አቡነ ገሪማ ዝተፅሐፈን ዝተስአለን ዝንገረሉ ብካርቦን ዴት ብሳይንሳዊ መረጋገፂ ዝተረጋገፀ ናይ ብራና መፅሐፍን ሽፋኑ ድማ ብወርቂ ዝተለበደ ሙኳኑ ፍሉይ ይገብሮ።
ካሊእ ሃፍቲ እዚ ቤተክርስትያን ጥንታዎት መናፅፍን መጋረጃታትን እዮም።እቶም መናፅፍ ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ብዝተፈላለዩ ምእመናንን ነገስታትን ነቱ ገዳም ዝተውሃቡ እዮም።

መናፅፍ አባ ገሪማ ካብ ሃርን ካብ ካልኦት ፈትልታትን ዝተሰርሑ እዮም።ብፍላይ ካብ ሃሪ ዝተሰርሐ ምንፃፍ አብዚ ሕዚ እዋን አብ ዓለምና አብ ዉሑዳት ከባቢታት ጥራሕ ተዓቂቡ ከም ዝርከብ በቲ መዳይ ፅንዓት ዝገብሩ ወፃእተኛታት ይገልፁ።እቱ ምንፃፍ ካብ ዝርከበሎም ሃገራት ውሽጢ አብ ካናዳ ዝርከብ አንቶሪዮ ሙዝየም፣አብ ኢንግሊዝ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ አክስፎርድን እንዳ አባ ገሪማን ይጥቀሱ።
አብዚ ስፍራ ናይ ቤተክርስተያን ሙዝየም እውን ንረክብ እዚ ሙዝየም ንደቂ አንስትዮ ይኩን ንደቂ ተባዕትዮ ንምእታው ፍቁድ እዩ።

አብ ውሽጡ ከዓ ከም ብአባገሪማ ዝተፀሐፈ 4 ወንጀል መፅሐፍ፣አብ ከባቢ 1710 ዝተስአለ ተአምረ ማርያም ስእሊ፣አብ 6ይ ክ/ዘመን ዝተፅሐፈ ገድለ አባገሪማ አብ 20 ክ/ዘመን ዝተፅሐፈ ወንጀለ ወርቅ ፣አብ 19 ክ/ዘመን ዝተሰርሐ ናይ ቅዳሴ አክሊል፣ብራእሲ ሚካኤል ሰሑል ከም ውህብቶ ዝተውሃበ ካብ ቡሩር ዝተሰርሐ ነጋሪት፣ ብቡፁአ አቡነ ጳውሎስ ከም ውህብቶ ዝተውሃቡ ካባታት ካብ ወርቂ ዝተሰርሑ መስቀላትን ወዘተ ትረክብ። ብተወሳኪ እውን አብ 6ይ ክ/ዘመን ብሃፀይ ገብረመስቀል ከም ዝተተክሉ ዝንገረሎም ዓበይቲ አእዋም ፅሕዲ ንረክብ።

ዓመታዊ በዓሉ ኩሉ ግዜ መስከረም 29ዝወረደ ታቦት አቡነ ገሪማ ዕለት 30 መስከረም ብዓብይ አከባብራ ‘’ዘገበረ ተአምር’’ እናተብሃለ ብዙሐት መራሕቲ ሃይማኖት ጳጳሳትን ኤጲስቆጶሳትን ብዙሐት መእመናንን ዝክበር በዓል እዩ።
#ትግራይ- #ንሃውፅ- #ትግራይ- #ነላልይ


©ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ

ትኩረት ንቤተ መንግስቲ ኣያ ናይዝጊ!!!======ኣብ ወልቃይት/መዘጋ/ማይጋባ/ቤት-ሙሉ ዝርከብ ቤተ-መንግስቲ ኣያ ናይእግዚ------ ናይዝጊ! ራእሲ ደጌና(እንካብ ሽረ) ምስ ቦላይ፣ ተስፋይ ...
29/03/2024

ትኩረት ንቤተ መንግስቲ ኣያ ናይዝጊ!!!
======

ኣብ ወልቃይት/መዘጋ/ማይጋባ/ቤት-ሙሉ ዝርከብ ቤተ-መንግስቲ ኣያ ናይእግዚ------ ናይዝጊ!

ራእሲ ደጌና(እንካብ ሽረ) ምስ ቦላይ፣ ተስፋይ (ቃስታ ዓጋም)፣ ሻቑር፣ ዜና-ገብሪኤልን ካልኦትን ኮይኖም ንወልቃይት ተኸፋፊሎም ከምዝገዝእዋ ይንገር። ደሓር ከኣ ኣያ ናይዝጊ ሓያልን ፍሉጥን ገዛኢ ወልቃይት እዮም ነይሮም። ኣያ ናይዝጊ ትውልዲ ሓረጎም ካብ ራእሲ ደጌና ዝምዘዝ እዩ። ንኣያ ናይዝጊ ወጊኡ ንወልቃይት ዘሕደጎም ከኣ ማሙ ዝበሃል ወዲ ፀዓዘጋ እዩ (1725)። ኣያ ናይዝጊ ብ1731 እዮም ሞይቶም።

መረዳእታታት ኣርኪዮሎጂ (ዝተረኽቡ መቓብር እስላም) ከምዝሕብርዎ እንተኾይኑ፣ መዘጋ/ወልቃይት ብበዝሒ እስላም(በደውን ፉንጅን) ዝነብሩሉ ከምዝነበረ ይዝንቶ። መጀመርታ ክርስትና ዝተስፋሕፍሐ ከኣ ብ ኣቡነ ገብረ-ናዝራዊ ከምዝኾነ ይዝንቶ። ኣቡነ ገብረ-ናዝራዊ ኣባል ደቂቀ-ኤዎስጣጤዎስ እዮም ነይሮም። ማንስፊልድ ፓርኪንስ ንወልቃይት እንትህውፅ (ኣብ 19 ክ/ዘ) ከኣ ወልቃይት ብ ልጅ ሃይሉ ትግዛእ ነይራ፣ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ደጃት ውቤ ሃይለማርያም ብምዃን ማለት እዩ። ደጃት ውቤ ንወልቃይት ካብ ኣቦኦም ሃይለማርያም ገብረ ዝወረስዋ ግዝኣቶም እያ ነይራ።……ደሓረ ከኣ ሃፀይ ዮውሃንስ ተተኪኦም ንወልቃይት ብ1873 ኣብ ትሕቲ ምሕደራኦም ኣእትዮማ።

ወልቃይት ማለት ዓዲ ሓፂንን ጡጥን፣ ዓዲ ንግዲ፣ ዓዲ ሓራምዝን ካልኦት ብዙሓት እንስሳታትን ኣዕዋፋትን፣ ዓዲ ሓጋይ ምሉእ ዝውሕዙ ሩባታትን ልሙዕ መሬትን ምንባሩ እዩ ካብ ጥንቲ ዝፍለጥ…ሕጂ እውን እዩ። ወልቃይት ማለት ብኣብዝሓ ተጋሩ፣ ቁሩብ ኣምሓሩ፣ ኣዝዮም ቁሩብ ከኣ ኣገውን ቤተ-እስራኤልን ዝነብሩሉ ቦታ ከምዝኾነ ኣብ መጀመርታታት 20 ክ/ዘ ንወልቃይት ዘፅንዐ ጣልያናዊ ጆቫኒ ኤሌሮ ፅሒፍዎ ከምዝርከብ ፀሓፍቲ ታሪኽ ይጠቐሱ።

ሱራፊኤል ዝበሃል ጎብለል ወዲ ሽረ እውን ምስ ሓሻኽሩ ኮይኑ ናይ ወልቃይት ነጋዶ ናብ ዓድዋን ኣኽሱምን ኣብ ዝገብርዎ ንግዲ ድሕንነት ተጨኒቑ (ስለዘገብሮም እውን) ኣብ ጉዕዞኦም ይሕልዎም ከምዝነበረ ተፃሒፉ እዩ።

ትግራይ (ክሳብ ኤርትራ) ካብቲ እንፈልጦን እንግምቶን ንላዕሊ ብምሕደራ፣ ብንግዲ (ኢኮኖሚ)፣ ብዘርኢ፣ ብባህሊን መንነትን ተሎቛቚማ እያ። ካብ ኩሉ ንላዕሊ ከኣ ሓበራዊ ባህጊ ኣለና! ሓበራዊ ባህጊ!!!

የግዳስ በቢቦትኡ ተቐቢሩ ዘሎ ታሪኽና እናኾዓትና ብዕምቆት ክንፈልጥ ንፅዓር።
------------------------
1) ሕቶ ንፈላጣት ታሪኽ:- መዘጋ፣ ፀዓዘጋ፣ ሓዘጋ ዝብል ሽም ዓዲታት ካብ ጥንቲ ብታሪኽ ዘራኽብ ነገር ኣለዎ ዶ? እስኪ ዛንትኡ ትፈልጡ ሓብሩኒ። ሽም ብዘይ ሓደ ነገር ከምዚ ኢሉ ኣይገጥምን ኢለ እየ 🙂
2) ናይ Giovanni Ellero “Il Uolcaìt” ዝብል ክሳብ ሕጂ ደልየ ዝሰኣንክዎ መፅሓፍ ከምግዛዕ ኣቢሉ ዝልእኸለይ ሰብ ምስጋናይ ወሰን ኣይክህልዎን እዩ።🙏
------------------------
መጣቐሲ:-
--> ብበዝሒ ካብ Encyclopedia Aethiopica
--> “Life in Abyssinia” ~ by Mansfield Parkyns
--> “Life and adventures of Nathaniel Pearce”
--> Manoel Barradas (1634), Tractatus Tres Historico-Geogrphici
ብ #ፀጋዝኣብ ሽሻይ

ዓሊቴና- ከተማ ዓሊቴና ኣብ ካልኣይ መፋርቅ 19 ክ/ዘ።ዓሊቴና ደገ ሰላም ዘበነ ኣብርሆት ዓባይ ትግራይ።Samuel Kidane
27/03/2024

ዓሊቴና- ከተማ ዓሊቴና ኣብ ካልኣይ መፋርቅ 19 ክ/ዘ።
ዓሊቴና ደገ ሰላም ዘበነ ኣብርሆት ዓባይ ትግራይ።
Samuel Kidane

27/03/2024
***ውግእ ዓዲ ዓውሶ***_____                  ንዝኽርን ክብርን ስርሒት ዓዲ ዓውሶ(ኣካል ምፍንፃሕ ክባ ወርቀ ዲኖ) ዕለትት 11/07/2013 ክበሃል ዝተፅሓፈ ናይ መወዳእታ ፅ...
21/03/2024

***ውግእ ዓዲ ዓውሶ***
_____
ንዝኽርን ክብርን ስርሒት ዓዲ ዓውሶ(ኣካል ምፍንፃሕ ክባ ወርቀ ዲኖ) ዕለትት 11/07/2013 ክበሃል ዝተፅሓፈ ናይ መወዳእታ ፅሑፍ እዩ።

"ዓውሶ" ማለት ብፍላይ ብኸባቢታት ራያ ወጀራት፣እንደርታ፣ዓጋመን ተምቤንን ፀባ ረጊኡ፣ተሓቚኑ ድሕሪ ጠስሚ ዝተርፍ ፈሳሲ ወይ ሕቛን ማለት እዩ � ዓዲ ዓውሶ ኣብ ሞንጎ ደንጎላትን ሳምረን እትርከብ ንእሽተይ ከተማ እያ።ንምዕራብ ኣንፈት ብግድብ ዝለምዕ ናይ ኣትኽልቲ ሕርሻን ንኣንፈት ሰሜን ምዕራብ ድማ ኣኻውሕን ገደላትን ዘለዎ ጎቦን ዘለዋ ፣ንኣንፈት ሳምረ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ጎቦ ሓውሲ መይዳ ዝኾነ ፣ንኣንፈት ደቡብ ድማ ሓውሲ ቆላን ሽንጥሮታትን ፣ንኣንፈት ምብራቕ ድማ ኣዝዩ ገዚፍ ጎቦን ኣፃድፍን ዝበዝሖ፣ በኣንፈት ሰሜን ድማ ሰጣሕ ጎልጎል እትዋሰን እያ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ኽፋል ከምዝገለፅኽዎ እቲ "ናብ ውግእ ኢና ወታደራውን ፖለቲካውን መራሕቲ ኣብ ክባ ስለ ዝኣተዉ ክባ ፈንፂሕና ክነውፅኦም እዩ መደብ ተዋሂቡና" ተባሂሉ ትጉዕዝ ዝቐነናሉ መወዳእትኡ ኣብዙይ ምዃኑ እዩ ተሓቢሩ ዘሎ ። ዳሓርኸ እንታይ ኮነ.....ንቐፅል���

ሰራዊትና ንውግእ ዝኸውን ምድላዋቱ ወጊኑ ናብቲ ናይ መወዳእታ መጥቃዕቲ ቦታ ይጓዓዝ እዩ ዘሎ���ቀዳም ዕለት 11/07/2013 ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 9:00 ኸባቢ እዩ ዘሎ። ልክዕ በዚ ሰዓት እዚ ምሳና ዝጓዓዛ ዝነበረራ ብወዲ እምበይተይ ላዕለዋይ መሪሕነት ዝእዘዛ ናይ ግምባር ምብራቕ ክ/ሰራዊታት ውን ናብ ኣንፈት ደንጎላት ንመጥቃዕቲ ይፅጋዓ እየን ዘለዋ።ከም ኣገላልፃ ብፃይ ብርሃነ ገ/ገርግስ (ሰብ ዝሰኣነ ሰብ) እተን ብኣንፈት ደንጎላት ዝፅጋዓ ዘለዋ 2 ክ/ሰራዊታት ሙሴን ማዕበበልን እየን ዝበሃላ።

እተን ናብ ዓዲ ዓውሶ ንውግእ ዝፅጋዓ ዘለዋ ��� ብብፃይ ምግበይ ሃይለ ላዕለዋይ መሪሕነት ዝእዘዛ ናይ ግምባር ምዕራብ 2 ክ/ሰራዊታት ድማ *ክ/ሰራዊት ዓድዋ ብብፃይ ፀጋይ ተካ(ፀጋይ ማርክስ) ፣ ክ/ሰራዊት ቀይሕ ኮኸብ ድማ ብብፃይ ወርቂ ዓይኑ ዝእዘዛ ኾይነን ናብቲ ናይ መዋግእን መጥቅዒ ቦተአንን ድማ በቢ ረጅመንትታተን ተፀጊዐን ኣለዋ።

ውግእ ተጀሚሩ ፣መሬት ሽዑ ንሽዑ ብሽታ ባሩድ ተዓጢና ብድምፂ መድፍዕ ፣ታንኪ ፣ሞርተር፣ ዲሽቃ ፣ብሬን፣ካላሽንን ቡምባን መሬት ክትሕረስ ጀሚራ። ብሕንጣሎ ገፅ ኣብ ዘለዉ ጎቦታት ኮይነን ታንክታትን ዙታትን ንቑልቑል ንደንጎላት ጠያይተን ይተፍኣ ኣለዋ። መዳፍዕ ድማ ከም ነጎዳ ሰማይ የንጎድጉዱ ኣለዉ፣ ውግእ ዓምቢሩ መሬት ብድንገት ናብ ሙቕሎ ተቐይራ፣ ተጋዳላይ ድማ ብናህሪ ናብ ጓጓ ፀላኢ ይቕፅል ኣሎ፣ ፀላኢ ዝሕዞን ዝጭብጦን ስኢኑ ብቐረባ ርሕቐት ብጥይትን ብቡምባን ዓቕሉ ፀቢቡዎ ቕንዕ መበሊ ስኢኑ ኣብ ዘለዎ ብዱቁሱ ኣደዳ ዓረር ሰራዊትና ኾይኑ።

ውግእ ይቕፅል.....ካብተን ዝነበራና 4 ሬጅመንት ናይ ክ/ሰራዊትና (ዓድዋ) እታ ሓንቲ ሬጅመንት 14 እትበሃል ብብፃይ ሙሉ(ሞኽሺ) እትምራሕ ኮማንዶታት ዝሓዘት ሬጅመንት ብየማን ኣስፊሓ ክትኣቱ ነይሩ መደብ ዝተውሃባ። ግን ድማ ናብቲ ናይ መጥቅዒ ድፋዕ ብሰዓታ ክትበፅሕ ኣይከኣለትን።ብፃይ ማርክስ ብሬድዮን "ደንጒኻ" እንትብሎ ንብፃይ ሙሉ .... ብፃይ ሙሉ ድማ "እቲ ቦታ ኣውኡ ኾይንኻ ክረአ ከሎ ሓፂር ይመስል እምበር ስብርባር መሬትን ገደላትን ስለ ዘለዎ ንኡሽተይ ኣዘናጊዑና እዩ ግን ንቕፅል ኣለና ኢና" ኢልዎ። ደምፁ ብሬድዮ ክስማዕ ከሎ ውን ሒሕሒሕ... ይብል ነይሩ ኣብ ኣፀጋምን መድከምን ቦታ ከምዝ ነበረ እዩ ዘረድአካ። ብዝኾነ ግን ፀላኢ ብሃንደበት መጥቃዕቲ ጅግና ሰራዊትና ናብ ጓጉኡ ስለ ዝኣተዎ ናይ ነዊሕ ርሕቐት ተኮስቱ ንድምፂ ጥራሕ እዩ ዝጥቀመሎም ዝነበረ እምበር መብዛሕቲኦም ኣብቲ ግድብን(ማይ) ኣብ መይዳን እዮም ዝዓልቡ ዝነበሩ።
ሐዚ ውን ውግእ ረሲኑ ይቕፅል እዩ ዘሎ.... "ክፍለ ሰራዊት ቀይሕ ኮኸብ ኣብ ዓዲ ዓውሶ (እንዳ ባ ጋብር) ንዘሎ ሰራዊት ሻዕብያ ምስ ናይኒ ሙሴን ማዕበልን ብተመሳሳሊ ሰዓት ድሕሪ ቀትሪ ከባቢ 8:00 ክትዘብጦ ጀመረት። እታ ቅልጥፍትን ብርትዕትን ክ/ሰራዊት ዓድዋ ��ብየማን መብረቓዊ ውቅዒት ኣብ ልዕሊ ሻዕብያ ጀሚራ ኣላ። *በርቂ* ብዝበሃል ላዕለዋይ ወታደራዊ ኣዛዚ ሻዕብያ ዝምራሕ መበል 29 ሙሉእ ክ/ሰራዊት ሻዕብያን ክኣስመራ ዝኸተተ ሓጋዚኡ ፍሉይ ኮማንዶ ሻዕብያን ምሒር ይጅፋዕ ኣሎ።

ብክፍለ ሰራዊት ዓድዋ ብዘይምሕረት ዝጅፋዕ ዘሎ ሰራዊት ሻዕብያ ንኣንፈት ሳምረን ንምድሪ ኣገውን ከይሃድም ልኩት ኣቢላ ፅርጋ ብምዕፃው እያ እትዘብጦ ዘላ። ሐዚ ሻዕብያን ኮማንዶታቱን ብክፍለ ሰራዊታት ቀይሕ ኮኾብን ዓድዋን ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ከም ቆፅሊ ይረግፍ ኣሎ። ሻዕብያ ሓፈት መበሊ ስኢኑ ናብዚ ናብቲ ክብል ኣይከኣለን። ዕድሉ ግድን ኣብ ዘለዎ ኮይኑ ደኣ ክረግፍ ኮነ።

ዋላኳ ናብ እንዳ ገባራት፣ ኩልሳሳትን ቤተክርስትያን ኪዳነምህረት ዓዲ ዓውሶን ተሓቢኡ ብሬናትን ሞርታራትን ክትኩሰልና እንተፈተና ምስቲ ናትና ቅልጣፈ ክሰምረሉን ውቅዒትና ክፃወሮ ስለ ዘይከኣለን ካብ ምድምሳስ ዘምልጠሉ ኣማራፂ ኣይነበሮን።ምሸት ከባቢ ሰዓት 1:00 ከዓ እቲ ውግእ ብዓወት ዛዚምናዮ".....ይብል በቲ እዋን ምስ ክ/ሰራዊት ቀይሕ ኮኸብ ኮይኑ ኣብቲ ውግእ ዝተሳተፈ ብፃይ ብርሃነ ገ/ገርግስ(ሰብ ዝሰኣነ ሰብ)።
ኣብዚ ውግእ ብርክት ዝበሉ ናይ ኢትዮጵያ ወታደራትኳ እንተተማረኹ ካብ ሰራዊት ሻዕብያ ግን 5 ጥራሕ እዮም ተማሪኾም። ካብኣቶም ሓደ ድማ ዮሃንስ እዮብ ናይቲ በርቂ ዝበሃል ላዕለዋይ ኣዛዚ እታ ክ/ሰራዊት ኦፕሬተር እዩ። ከም ኣገላልፃ ዮሃንስ "በርቂ" ርእሱ ብጥይት ተወቒዑ ሓንጎሉ ፈሲሱ ከምዝሞተ እዩ ቃሉ ዝሃበ። ንግዚኡ ሽሙ ዝረሳዕኽዎ ሓደ ሙሩኽ ሻዕብያ ድማ ናብ ብፃይ ፀጋይ (ፀጋይ ማርክስ) ኣምፂኦሞ ሓበሬታታት እንትሓቶ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉዎ ነይሩ ።

እቲ ሙሩኽ ካብ ዝተዛረቦም ዝገርመኒ "ኣነ ሰንካቲ ባኒ እየ ።ካብ ፆሮና ኸባቢ ኣብቲ እዋን ውግእ ባኒ ንሰራዊት የመላልስ ነይረ። ካብኡ ሓደ መዓልቲ ግን ሓንቲ ወዲ � (ንኹሎም ኣዘዝቱ ኣንቲ እዩ ዝብሎም ዋላ ነቶም ዝማረኹዎ ብፆት�) ናዓ ኢላ ካላሽን ምስ 60 ጥይቱ(2 ካዝና) ሂባ ናብ ሰራዊት ሓዊሳትኒ ናብዚ ድማ ብፅዕነት መኪና መፂአ ድፋዕ ሒዝ እናሃለና ወያነ መፂአን ተኩሱ ተባሂልና ኣነ ግን ዋላ ሓንቲ ጥይት ኣይተኮስኩን ዋላ ነታ ዝሓዘትኒ ሕተታ። ከመይ ገይረ ናብ ሓወይ ክትኩስ ? ትግራዋይኮ ሓወይ እዩ።

ናብ ሓውኻዶ ይትኮስ እዩ? ኢለ ስለ ድኣምን ኩለን እተን ጥይት ምስ ክላሸን ነታ ዝማረኸትኒ ሂበያ እየ" ኢሉዎ ቃል ብቃል እየን ተን ፅሑፋት። ብፃይ ፀጋይ ማርክስ ድማ "ከብደይ ዲኻ ትበልዐኒ ዘለኻ? ኢሉ ኣስሒቑና�። ብዝኾነ እቲ ሙሩኽ በታ ዝበላ ጀሚሩ ብኣኣ እዩ ወዲእዋ "ከመይ ገይረ ናብ ሓወይ ክትኩስ" ብእትብል ኣበሃህላ.....ኣብዚ ውግእ ክባ ፈንፂሕኻ ወታደራውን ፖለቲካውን መራሕቲ ንምድሓን ዝተገበረ ስርሒት ብሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ሰራዊትና ብርክት ዝበለ ሰራዊት ሻዕብያ እንትድምሰስ ዝተረፈ ድማ ንበረቱን ዉጉኣቱን ገዲፉ ሃዲሙ ���ሽሻይ ሰራዊት ትግራይ ኾይኑ እዩ።

ኣብዚ ዕዉትን ሓፂርን ውግእ ብዘይካ እቲ ዝተደምሰሰ ሰራዊት ልዕሊ 18 ተሽከርከርቲ ምስ ጥይተን ራሽነንን ቅርሸንን ተባሪዐን ናብ ሓሙኹሽቲ ተቐይረን እየን ብጅግና ሰራዊትና። በዚ መሰረት እቲ ብፀላእቲ ተሓሲቡ ዝነበረ ንመራሕቲ ናይ ምድምሳስ ወፍሪ ብጅግና ሰራዊት ትግራይ ጥበብን ሳይንስን ጅግንነትን ሓቦን ሕልሞም መኺኑ፣ ንህዝብን ሰራዊት ትግራይን ድማ ዓብዪ ዓወትን ናይ ተስፋ ጅማረን ነይሩ። እዚ ናይ ዓዲ ዓውሶን ደንጎላትን ውግእ ኣካል እቲ ኣብ ወርቀ ዲኖ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ክባ እዩ። ውግእ ወርቀ ዲኖ ብሰራዊትና እንድሕር ተፈንፂሑን ወይ ካብቲ ውግእ ንዘምለጠ ኣብ ደንጎላትን ዓዲ ዓውሶን ክሳድ ዓፂኻ ንምድምሳስ ተሓሲቡ ዝተትሓዘ ስፍሕ ዝበለ ክባ ፍሹል ስትራተጂ ፀላእትና እዩ ነይሩ።

ኣብዚ መዋግኢ ቦታ ምስ ብፃይ ፀጋይ ማርክስ ዝነበረና ኦፕሬተራት ብፆት ገ/ህይወት፣ሓጎስ ታደለ፣መለስ ገ/ዚሀር፣ኣማኑኤል ፣ኣነ(ሙሉ ቓሺ በርሀ) ኢና።ብፃይ ተወልደ ባህታ ምስ ናይቲ ኣሽዕኡ ምኽትል ክ/ሰራዊትና ዝነበረ ምስ ብፃይ ሓዱሽ ካፍል እዩ ከይዱ ነይሩ። ውግእ ተወዲኡ ፀልማት ውን ስለ ዝነበረ እቲ ዝተበታተነ ፀላኢ ሓለሓሊፉ ስቕ ኢሉ ይትኩስ ነይሩ።

ሰራዊትና ድማ ንድሕሪት ተመለስ ተባሂሉ ስውኣቱ ቀቢሩ ዉጉኣት ተሸኪሙ ይመፅእ እዩ ዘሎ። ኣብቲ ቦታ ዝነበረ ቁርን ንፋስን ኣይሃብኹም እዩ� ዳሓር ለይቲ ናብ ሰዓት 7:00 ኸባቢ ሬድዮና 2 ውን ስለ ዝነበራ እቶም ኻልኦት ብፆት ሒዞምወን እናሃለዉ ኣነን መለስን ላስቲኽ ኣንፂፍና ግድም እንተበልና ድቃስ ሒዙና ህልም። ትልዕል እንተበልናስ ፀሓይ ወፂኣ�። ካውኡ ብፃይ ፀጋይ ማርክስ ቆላሕ ኢሉ ርእይ ኣበለናሞ "ዉይይ.....ኣታ እንኳዕ ምሳኻቱም ጥዑይ ውግእ ዘይትዋጋእ" ምስ በለና ሰሓቕ ብሰሓቕ���... በዚ ኣበሃህላ እቲ ውግእ ሰራዊትና ክንደየናይ ብቐሊሉ ብዓወት ከምዝዛዘሞ ዘመላኽት ነይሩ።

ብዝኾነ ብድሕሪ ዓወት ውግእ ዓዲ ዓውሶ ካብቲ ዝነበርናሉ መዋግኢ ቦታ ንኣንፈት ምዕራብ ብቐረባ ዝርከባ እኒ በዓል ፍጀና፣ሽመል ኣርባ፣ ኣፅገብታ፣ዝባን ጎሎው ፣ማና ሩባ ፣ጎናቖት፣ ፈፀ፣ ማይ ሰቲ ፣ዓዲ ኣኸዛ፣ እንዳ መስቀል ዝተብሃላ ዝርከባሉ መንደራት፣ ንሕና ወጋሕታ ሰንበት ዕለት 12/07/2013 ሓንጠበት ናብ እትበሃል መንደር ከይድና እንዳ ኣብርሃ ደስታ፣ለተብርሃን ገ/ዚሀር፣ፅርሃን ኣበባን ዝበሃሉ ዓሪፍና ውዒልና ዓሪፍና ድማ ሓዲርና። ብፅባሒትኡ ሰኒ ዕለት 13/07/2013 ድማ ኣብቲ መንደር ውዒልና ፀላኢ ካብ መቐለ ኣንፈት ብዙሓት ተሽከርከርቲ ሒዙ መፂኡ ሬስኡ እናኣረየ ውዒሉ ንሕና ድማ ኹላ በቢ ኣንፈታ ብሰላም ዝወፀት ምዃና ስለ ዝተነገረና ለይቲ ሰዓት 6:00 ተላዒልና ጉዕዞ ጀሚርና በቲ ዝመፃእናሉ ንኣንፈት ሰሜን ተጓዓዝና።

የቐንየለይ.....
ክብርን መጎስን ንጀጋኑ ስውኣት ብፆትና.!
"ናጽነት ንብሄራዊ ኽብረት!"
ተጋዳላይ ሙሉ ቓሺ በርሀ

Address

Street Of Myrterys
Mekelle

Telephone

+251914799910

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when መረብ ሚድያ ኔትወርክ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to መረብ ሚድያ ኔትወርክ:

Videos

Share


Other Tourist Information Centers in Mekelle

Show All