Mosaic Travel & Tour Agency

Mosaic Travel  & Tour Agency Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from Mosaic Travel & Tour Agency, Travel Company, Kampala.

 # Mosaic Travel  & Tour Agency
01/05/2024

# Mosaic Travel & Tour Agency

Group of Five ( G5 ) / CANADA ⒼⓇⓄⓊⓅ ⓄⒻ ⒻⒾⓋⒺ (Ⓖ⑤)ግሩፕ ፋይቭ (Ⓖ⑤)• ጉጅለ ⑤ ዝበሃል ሓሙሽተ ኣባላት ዘለውዎ ጕጅለ ⑤ እዩ ፣ ወይ ድማ ካብኡ ንላዕሊ ዜጋታት ካ...
30/12/2023

Group of Five ( G5 ) / CANADA
ⒼⓇⓄⓊⓅ ⓄⒻ ⒻⒾⓋⒺ (Ⓖ⑤)
ግሩፕ ፋይቭ (Ⓖ⑤)

• ጉጅለ ⑤ ዝበሃል ሓሙሽተ ኣባላት ዘለውዎ ጕጅለ ⑤ እዩ ፣ ወይ ድማ ካብኡ ንላዕሊ ዜጋታት ካናዳ ወይ ቀወምቲ ነበርቲ ዝኾኑ እዮም። እዞም ተቐማጦ እዚኣቶም ንሓደ ኣብ ካብ ካናዳ ወጻኢ ኣብ ካልእ ናይ ዑቁባ ሃገር ዚነብር ስደተኛ ናብ ካናዳ ንኽመጽ ዝሕግዙ ጉጅለ እዮም።
• እቲ ስደተና ናብ ካናዳ ምስ መጸ ከኣ ንሓደ ዓመት ዚኣክል ናይ ገንዘባዊን ፥ ሞራላዊን ድጋፍ ይገብርሉ።
• ነቶም ብዩ. ኤን. ኤች. ሲ. ኣር (ⓊⓃⒽⒸⓇ) ወይ በቲ ዝቅመጥዎ ሃገር ከም ስደተኛታት ተፈላጥነት ንዝረኸቡ ኣመልከትቲ ጥራይ ስፖንሰር ክገብሩ ይክእሉ።
• ንሓደ(①) ኣባል ናይ ሓንቲ ስድራቤት ጥራይ ስፖንሰር ክትገብሮ ኣይከኣልን እዩ። ንኹሎም እቶም ኣብቲ መመልከቲ ወረቐት ዘለዉ ኣባላት ስድራቤት (ናብ ካናዳ ዋላ ኣየስንይዎ) ገንዘባዊ ድጋፍ ክዳለወሎም ይግባእ።
• ኣብ ገሊኡ መዳያት ኣባላት ስድራቤት ጸኒሖም ኣብ ትሕቲ መደብ “ሓደ ዓመት” መስኮት (ⓄⓎⓌ) ኪስዕብዎ ይኽእሉ እዮም።
ብቑዕ ንምዃን ነፍሲ ወከፍ ኣባል እታ ጕጅለ ከምዚ ዝስዕብ ክገብር ኣለዎ -
• ካናዳዊ ዜጋ ወይ ቀዋሚ መንበሪ ዘለዎ
• እንተ ወሓደ ①⑧ ዓመት ንላዕሊ ዝዕድሚኡ
• ኣብቲ ስደተኛ ዝቅበሎ ከተማ ዝነበር ክከውን ኣለዎ ።
• እቲ ውዕል ንምድጋፍ ስምምዕ ዝተሳማማዓሉ ( ግዜ ① ዓመት )

Mosaic Travel & Tour Agency

ℂ𝕆𝕄𝕄𝕌ℕ𝕀𝕋𝕐 𝕊ℙ𝕆ℕ𝕊𝕆ℝ ( ኮሙኒቲ ስፖንሰር )• ኣብ ካናዳ ማሕበረሰብ ዝቆማ ውድባት ወይ’ውን ማሕበራት፡ ንስደተኛታት ናብ ካናዳ ንኺመጹ ሓገዝ ይገብራ ። • ንሓደ ዓመት ንስደተኛታት ብ...
16/10/2023

ℂ𝕆𝕄𝕄𝕌ℕ𝕀𝕋𝕐 𝕊ℙ𝕆ℕ𝕊𝕆ℝ ( ኮሙኒቲ ስፖንሰር )

• ኣብ ካናዳ ማሕበረሰብ ዝቆማ ውድባት ወይ’ውን ማሕበራት፡ ንስደተኛታት ናብ ካናዳ ንኺመጹ ሓገዝ ይገብራ ።
• ንሓደ ዓመት ንስደተኛታት ብገንዘባውን፥ ሞራላውን ድጋፍ ይገብራ።
• ናይ ስደተኛታት ወረቀት ንዘለዎ ስደተኛ ጥራይ ስፖንሰር ይገብራ
• ብዝሒ ዘምጽእኦም ሰባት ከኣ ውሱን ቁጽሪ የብሉን ዓቅሚ ክሳብ ዝሃለወን እቲ ዝቅመጥ ገንዘብ ኣቀሚጠን ቡዙሕ ሰብ ክእትዋ ይክእላ።
• ሓንቲ ንማሕበረሰብ እትምውል (Community Sponsor) ሰብ ኣብቲ ስደተኛታት ኪነብሩሉ ትጽቢት ዚግበረሉ ማሕበረሰብ(Community ) ክትከውን ኣለዋ።
• ሓንቲ ንማሕበረሰብ እትምውል(Community Sponsor ) ሰብ ምስ ሓደ ውልቀ - ሰብ ወይ ምስ ካልእ ውድብ ክትተሓባበር ትክእል ኢያ። እዚኤን ተሓባበርቲ ማሕበራት Co-Sponsor ተባሂለን ኢየን ዚፍለጣ ። እቲ ተሓባባሪ ነቶም ስደተኛታት ንምሕጋዝ ኪሰማምዓሉ ኣለዎ። ነቲ ዚምወል ስደተኛ ናይ ምድጋፍ ሓላፍነት እውን ይስከማ።
• እታ ንማሕበረሰብ እትምውል ማሕበር (Community Sponsor ) ሰብ ኣብ ትሕቲ ፈደራላዊ ወይ’ውን ኣውራጃዊ ሕጊ ኺጠቓለል ኣየድልን እዩ ። ሓንቲ ኮሚኒቲ ተባሂላ ንኽትምስረት ሽም ከህልዋ ኣለዎ፡ ከም ኣብነት ሽም ናይ ማሕበር ደቂ ገዛዊቲ ወይ’ውን መምሃርቲ ወይ ደቂ ዓዲ ወ.ዘ.ተ፣ክከውን ይክእል
• እታ ማሕበር ከንደይ ዝቁጽሮም ኣባላት ከም ዘለዋ ፡ ዝምርሑሉ ሕግን ፕረዚደንትን ጸሓፍን ክህልዋ፡ ዕላማ ናይቲ ኮሚኒቲ እንታይ ምዃኑ ንጹር ዝኮነ፡ ነዚ ዝኣመሰለ ሕግታት ኣውጺኣ፡ ናብቲ ዘላቶ ኣውራጃ ብምክያድ ከም ብቅዕቲ ኮሚኒቲ ኮይና ትምዝገብ። እቲ ዝቅመጥ ገንዘብ ኣቀሚጣ፡ ዓቅሚ ክሳብ ዘሃለዋ ስደተኛታት ስፖንሰር ክትገብር ትክእል።

Mosaic Travel & Tour Agency

𝔹𝕍𝕆ℝ (እተሓዋወሰ ቤት ጽሕፈት ቪዛ)•  እተሓዋወሰ ቤት ጽሕፈት ቪዛ (BVOR) ንካናዳውያንን ፡ ቀወምቲ ነበርትን  ንስድተኛታ ኣብ ካናዳ ምትያስ ዓቢ ተራ ይጻወቱ። • ብመሰረት Blende...
10/10/2023

𝔹𝕍𝕆ℝ (እተሓዋወሰ ቤት ጽሕፈት ቪዛ)

• እተሓዋወሰ ቤት ጽሕፈት ቪዛ (BVOR) ንካናዳውያንን ፡ ቀወምቲ ነበርትን ንስድተኛታ ኣብ ካናዳ ምትያስ ዓቢ ተራ ይጻወቱ።
• ብመሰረት Blended Visa Office-Referred (BVOR) Program ስደተኛታት ብቐጥታ ብናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት (UNHCR) ናብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከባ ኣብያተ ጽሕፈት ቪዛ ካናዳ ይልኣኹ። ብዙሓት ካብቶም ብመሰረት እዚ መደብ ዝምወሉ ስደተኛታት ንመገሻ ድሉዋት ይገብር።
• ኣብ ውሽጢ 1-4 ኣዋርሕ ድማ ብቕልጡፍ ናብ ካናዳ ክበጽሑ ይኽእሉ።እዚ ፕሮግራም ስፖንሰራት ምስቶም ድሮ እተመመዩን፣ ቃለ መጠይቕ እተገብረሎምን ሰደተኛታት የራኽቦም ቀጺሉ ንኺጐዓዙ ድማ ድሉዋት ይገብሮም።
• ብመደብ BVOR ናብ ካናዳ ዝመጹ ስደተኛታት ከም ቀወምቲ ነበርቲ ይመጹ። ብመንገዲ ግዝያዊ ፕሮግራም ጥዕና ፌደራል (IFHP) ግዝያዊ ሓገዝ ክንክን ጥዕና ይረኽቡን ንኣውራጃዊ ወይ ግዝኣታዊ ሽፋን ክንክን ጥዕና ብቑዓት እዮም።
• ን 6 ወርሒ መንግስቲ ካናዳ ወጻኢታት ይሽፍነሉ ፡6 ወርሒ ድማ ኢቲ CO Sponsor ኢቲ ተሓባበሪ ዝኸውን ዘሎ ስብ ድማ 6 ወርሒ ይሕግዝ።

Mosaic Travel & Tour Agency

07/10/2023

Book you Air ticket with Us.....
Mosaic Travel & Tour Agency

• ዘይንፈልጦም ወይ’ውን ፍሉይ ቆላሕታ ዘለዎም  ስደተኛ ብኸመይ መንገዲ ስፖንሰር  ክንገብር ንኽእል ?- ዘይንፈልጦም ወይ ፍሉይ ቆላሕታ ዝደልዮም ስድተኛታት ብክልተ(2) መንገዲ ስፖንሰር ክ...
04/10/2023

• ዘይንፈልጦም ወይ’ውን ፍሉይ ቆላሕታ ዘለዎም ስደተኛ ብኸመይ መንገዲ ስፖንሰር ክንገብር ንኽእል ?
- ዘይንፈልጦም ወይ ፍሉይ ቆላሕታ ዝደልዮም ስድተኛታት ብክልተ(2) መንገዲ ስፖንሰር ክግበረሎም ይከኣል ፥

𝔸.𝕁𝔸𝕊 ( ሓባራዊ ሓገዝ ስፖንሰርሺፕ )
• ኢሚግሬሽን፣ ስደተኛታትን ዜግነትን ካናዳ (IRCC) ፍሉይ ድሌት ዘለዎም ስደተኛታት ንምጥያስ ምስ ትካላት ተሓባቤሮም ይሰርሑ። ኢዚ መድብ ኢዚ ሓባራዊ ሓገዝ ስፖንሰርሺፕ (JAS) ይብሃል።
• SAH ጥራይ እዩ ነቶም በዚ ፕሮግራም እዚ ኣቢሎም እተመርጹ፣ ፍሉይ ቆላሕታ ዘድልዮም ሰደታኛታት ስፖንሰር ክገብረሎም ብቕዓት ዘለዎ።
• መንግስቲ ካናዳ ከኣ ን2 ዓመት ገንዘባዊ ደገፍ ነቲ ስደተኛ ይገብር።
•ስደተኛታት ኣብዚ ፕሮግራም ንክኣትዉ ዝገብርዎ ነገራት ወላሓንቲ የለን ። እቲ
U N H C R በቲ ዝገብርዎ ኢንተርቪው መሪጹ ኣብቲ ሊስታ ናይ ፍሉይ ቆላሕታ ዝደልዮም የእትዎም ካቡኡ ከኣ ይምረጹ ማለት ኢዩ።

ፍሉይ ቆላሕታ ዘድልዪም ስደተኛታ ንብሎም ፥
• ብዓመጽ ወይ ስቅያት ዝተሳናበዱ ስደተኛታት
• ሕክምናዊ ስንክልና ዘለዎም
• ሳዕቤን ስርዓታዊ ኣድልዎ( systemic discrimination)

For more information ...
Mosaic Travel & Tour Agency

Mosaic Travel  & Tour Agency
03/10/2023

Mosaic Travel & Tour Agency

29/09/2023

Travel company

27/09/2023

• ኣብ ካናዳ ክንደይ ዓይነት መደባት (Program) ናይ ስደተኛታት ስፖንሰርሽፕ ኣሎ?

• ኣብ ካንዳ 5 (ሓሙሽተ) ፍሉጣት መዳባት ወይ’ውን ማሕበራት ስፖንሰር ስደተኛ ክግበረሉ ዝኽእል መንገዲታት ኣለና፡፡ ነዚኦም ከኣ ኣብ ክልተ(2) ጉጀለታት ከፊሊና ክንሪኦም ንክእል፥-

1. ንእጥፈልጦ ሰደተኛ ስፖንሰር ምግባር፦
• Sponsorship Agreement Holder(SAH) -Constituent Groups( (CGs) - (ወናኒ ስምምዕ ስፖንሰርሺፕ )
• Community Sponsor (ማሕበረሰብ ስፖንሰር )
• Group 5 (ጉጅለ ሓሙሽተ )

2 ንዘይንፈልቶም ሰደተኛ ስፖንሰር
• Joint Assistance Sponsorship (JAS) - ፕሮግራም ሓባራዊ ሓገዝ ስፖንሰርሺፕ
• Blended Visa Office referred - እተሓዋወሰ ቤት ጽሕፈት ቪዛ

MMosaic Travel & Tour Agency Imm. Consultant

Travel company

𝕎𝕙𝕒𝕥 𝕚𝕤 𝕥𝕙𝕖 ℙ𝕝𝕒𝕟 𝕠𝕗 ℂ𝕒𝕟𝕒𝕕𝕚𝕒𝕟 𝕘𝕠𝕧𝕖𝕣𝕟𝕞𝕖𝕟𝕥 𝕠𝕟 𝕥𝕙𝕖 𝕞𝕒𝕥𝕥𝕖𝕣 𝕠𝕗 𝕚𝕞𝕞𝕚𝕘𝕣𝕒𝕥𝕚𝕠𝕟 𝕚𝕟 𝕥𝕙𝕖 𝕔𝕠𝕞𝕚𝕟𝕘 𝕪𝕖𝕒𝕣𝕤 ....መንግስቲ ካናዳ ኣብ ዝመጽእ ዓመታት ንስደተ...
27/09/2023

𝕎𝕙𝕒𝕥 𝕚𝕤 𝕥𝕙𝕖 ℙ𝕝𝕒𝕟 𝕠𝕗 ℂ𝕒𝕟𝕒𝕕𝕚𝕒𝕟 𝕘𝕠𝕧𝕖𝕣𝕟𝕞𝕖𝕟𝕥 𝕠𝕟 𝕥𝕙𝕖 𝕞𝕒𝕥𝕥𝕖𝕣 𝕠𝕗 𝕚𝕞𝕞𝕚𝕘𝕣𝕒𝕥𝕚𝕠𝕟 𝕚𝕟 𝕥𝕙𝕖 𝕔𝕠𝕞𝕚𝕟𝕘 𝕪𝕖𝕒𝕣𝕤 ....

መንግስቲ ካናዳ ኣብ ዝመጽእ ዓመታት ንስደተኛታት እንታይ ዓይነት መድብ ሒዙ ኣሎ?

ካናዳ በብዓመቱ እትቕበሎም ዝተፈላለዩ ምድባት ስደተኛታትን ኣለው።
• ናይ ካናዳ ናይ ብሕቲ ስፖንሰርሺፕ ስደተኛታት (Private Sponsorship )ኣብ መላእ ዓለም ንስደት ንዝተቓልዑ ሰባት ይቕበልን ይድግፍን።
• ከም ዝፍለጥ ናይ ካናዳ መስርሕ ምቅባል ናይ ስደተኛታት ክሳብ ሕጆ ቀጻሊ ኢዩ ዘሎ ።
• ካናዳ ኣብ ደረጃታት ኢሚግሬሽን ካብ 2023-2025 ዓ/ም ናይ ኢሚግሬሽን ሸቶታታ ክትውስኽ ምዃና ኣፍሊጣ።
• ናይ ኢሚግሬሽን ሸቶታታ ከኣ ብከምዚ ኣቀሚጣቶ ትርከብ ፦ ኣብ 2023 460,000፡ ኣብ 2024 485,000፡ ኣብ 2025 ድማ 500,000 ስደተኛታት ክትቅበል መደብ ከምዘለዋ ኣፍሊጣ። እዚ መድብ እዚ ከኣ ቀንዲ ኣብ
ሞያ ዘለዎም ስደተኛታት ጸቂጣ ከም ትሰርሓሉ፡ እንሱ ከኣ ንሕጽረት ጉልበት ንምፍታሕ ክኢላታት ሰራሕተኛታት ኣብ ምስሓብ ዘተኮረ እዩ። ብተዛማዲ'ውን ኣብ ናይ ምጥርናፍ ስድራቤት ፡ከምኡ’ውን ካብ መላእ ዓለም ንዝመጹ ተቓላዕቲ ህዝብታት ብጻዕርታት ምጥያስ ስደተኛታት ምሕጋዝ ዝዓለም ኢዩ።

Mosaic Travel & Tour Agency
Imm. Consultant

25/09/2023

𝕎𝕙𝕠 𝕚𝕤 ℝ𝕖𝕗𝕦𝕘𝕖𝕖 ?
ስደተኛ ንብሎ መን ኢዩ ?

• ስደተኛ ማለት ብሰንኪ ስደት፣ ኩናት ወይ ዓመጽ ካብ ሃገሩ ክሃድም ዝተገደደ ሰብ እዩ።
• ሓደ ስደተኛ ብዓሌት፡ ሃይማኖት፡ ዜግነት፡ ፖለቲካዊ ርእይቶ ወይ ኣባልነት ኣብ ሓደ ፍሉይ ማሕበራዊ ጉጅለ፡ ብምዃን ካብ ሃገሩ ዝተሰደ ፥ ብዓቢኡ ናብ ዓዱ ክምለስ ዘይክእል ወይ ክምለስ ዝፈርሕ።
• ኣብ 2022 ዘወጸ ጸብጻብ ኣብ መላእ ዓለም 108.4 ሚልዮን ህዝቢ ብሰንኪ ስደት፣ ግጭት፣ ዓመጽ፣ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ወይ ንህዝባዊ ስርዓት ብኸቢድ ዝዘርግ ፍጻመታት ብ ሓይሊ ከምዝተዛናበለ።
• 52% ካብ ናይ ኩሉን ኣህጉር ፡ ኣህጉራዊ ሓለዋ ዘድልዮም ስደተኛታት ካብ ሰለስተ ሃገራት ዝተሰዱ ጥራይ እዮም፡ ንሳቶም ከኣ ካብ ሶርያ፡ ዩክሬንን ኣፍጋኒስታንን.

𝕎𝕙𝕠 𝕚𝕤 𝕒𝕟 𝔸𝕤𝕪𝕝𝕦𝕞 𝕊𝕖𝕖𝕜𝕖𝕣 ?
ሓታቲ ዑቕባ መን እዩ ? (ዑቅባ ዘድልዮ መን እዩ )
• ሰባት ካብ ሃገሮም ሃዲሞም ኣብ ካልእ ሃገር መዕቆቢ ክደልዩ እንከለዉ፡ ዑቕባ ይሓቱ - ከም ስደተኛ ኣፍልጦ ናይ ምርካብን ሕጋዊ ሓለዋን ንዋታዊ ሓገዝን ናይ ምርካብ መሰል ይሓቱ።
• ብ 2022 ዝተመዝገበ ናይ ዑቕባ ሓተቲ ሰነድ ኣስታት 2.9 ሚልዮን ሕቶታት ዑቕባ ቀሪቡ ፡ ካብ 2021 ዓ/ም ብ 68 % ሚእታዊት ወሰኽ ከም ዝገብረ’ውን ይፍለጥ።

𝕎ℍ𝕆 𝕀𝕊 𝔸ℕ 𝕀ℕ𝕋𝔼ℝℕ𝔸𝕃𝕃𝕐 𝔻𝕀𝕊ℙ𝕃𝔸ℂ𝔼 ℙ𝔼ℝ𝕊𝕆ℕ (𝕀𝔻ℙ)
• ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተመዛበለ ወይ IDP ማለት ካብ መንበሪኡ ክስደት ተገዲዱ ግን ከኣ ኣህጉራዊ ዶብ ዘይሰገረ ሰብ እዩ።
• እዞም ውልቀ-ሰባት እዚኣቶም ኣብ ዝረኸብዎ ቦታ ድሕንነት ናይ ነብሶም ዝኮኖም ምዕቆቢ ዝደልዩ እዮም፣ ማለት ኣብ ቀረባ ከተማታት: ኣብያተ ትምህርቲ: ስፍራታት: ውሽጣዊ መዓስከራት: ኣብ በረኻታትን ኣግራብን ግራውትን ከይተረፈ።
• ብውሽጣዊ ባእስን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ዝተመዛበሉ ሰባት ዘጠቓልዑ ተመዛበልቲ፡ UNHCR ዝሕግዞም ዝዓበየ ጉጅለ እዮም። ዘይከም ስደተኛታት፡ ተመዛበልቲ ብሕጊ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ገዛእ ርእሶም መንግስቲ ስለዘለዉ፡ ብኣህጉራዊ ሕጊ ሓለዋ ኣይግበረሎምን ወይ ብዙሕ ዓይነት ሓገዝ ክረኽቡ ብቑዓት ኣይኮኑን።
• ኣብ ዓለምና ኣስታት 62.5 ሚልዮን ህዝቢ ብውሽጢ ውሽጢ ዝተመዛበሉ እዮም።

Mosaic Travel & Tour Agency
Immi. Consultant

Travel company

Address

Kampala

Opening Hours

Monday 09:00 - 19:00
Tuesday 09:00 - 19:00
Wednesday 09:00 - 19:00
Thursday 09:00 - 19:00
Friday 09:00 - 19:00
Saturday 09:00 - 19:00

Telephone

+256756118252

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Mosaic Travel & Tour Agency posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Mosaic Travel & Tour Agency:

Videos

Share

Category