Hager Travel Agency

Hager Travel Agency 💨Fast & Fair Service
ስሉጡን ርትዓውን ኣገልግሎት

Warmest greetings to Uganda on its Independence Day 🇺🇬🇺🇬🇺🇬
09/10/2024

Warmest greetings to Uganda on its Independence Day 🇺🇬🇺🇬🇺🇬

26/08/2024
ትካልና  #ሃገር ወኪል ጒዕዞ ፣ከም ወትሩ ዕግበት ዓማዊልና ንምምላእ  ስሉጡን ርትዓውን ኣገልግሎት ንምሃብ ተዳሊና ከምዘሎና ብሓበን ንገልጸልኩም። ንምዝኽኻር ፡ እንህቦ ኣገልግሎት 👇🏿🛩 ናይ...
14/08/2024

ትካልና #ሃገር ወኪል ጒዕዞ ፣ከም ወትሩ ዕግበት ዓማዊልና ንምምላእ ስሉጡን ርትዓውን ኣገልግሎት ንምሃብ ተዳሊና ከምዘሎና ብሓበን ንገልጸልኩም።
ንምዝኽኻር ፡ እንህቦ ኣገልግሎት 👇🏿

🛩 ናይ ዝመረጽኩሞ መንገዲ ኣየት ትኬት
📑 ምስላጥ ጉዳያት ኢሚግረሽን
🏣 ምስላጥ ጉዳያት ቪዛ/ ጉዳያት ኤምባሲ
🚕 ኣገልግሎት ታክሲን 🏨መዕረፎ ኣጋይሽን
😊 ኣገልግሎት ውሕስነት መገሻ Travel Insurance
ወዘተ ...
- ብተወሳኺ ነጻ ኣገልግሎታት ምኽሪ ብመንጽር መስርሕ ኢሚግሬሽን መምርሒ ንክትረኽቡ ከም እትኽእሉን ብሓጎስ ነበስር።

ሃገር ወኪል ጒዕዞ ፣ ካምፓላ ፣ ዩጋንዳ🇺🇬
📞 +256-7-09977114
ዋስትስ ኣፕ 0709 977114

Greetings from Uganda 🇺🇬 ሰላምታ ካብ ኡጋንዳ
14/08/2024

Greetings from Uganda 🇺🇬 ሰላምታ ካብ ኡጋንዳ

😊 ክቡራት ዓማዊልና ብዝቐለለ መንገዲ ንክትረኽቡና ኩሉ ግዜ ብናይ ዋትስኣፕ መስመርና (0709 977114) ካብ ሰዓት 7:00 AM ክሳብ 12:00 AM ኣብ መስመር ከም ዘሎና ክንሕብረኩም ን...
03/08/2024

😊 ክቡራት ዓማዊልና ብዝቐለለ መንገዲ ንክትረኽቡና ኩሉ ግዜ ብናይ ዋትስኣፕ መስመርና (0709 977114) ካብ ሰዓት 7:00 AM ክሳብ 12:00 AM ኣብ መስመር ከም ዘሎና ክንሕብረኩም ንፈቱ።

ሃገር ወኪል ጉዕዞ ፣ ካምፓላ ዩጋንዳ 🇸🇩

ናብ ናይሮቢ (ኬንያ) 🇰🇪 ፣ ዱባይ (ሕቡራት ኢማራት ዓረብ) 🇦🇪 ንእትገብርዎ መገሻ ሙሉእ ናይ ቪዛ መስርሕ (Exit & Entry Visa) ኣብ ሓጺር ግዜ ኣካይድና ብ ሙሉእ እምነት ናይ መ...
03/08/2024

ናብ ናይሮቢ (ኬንያ) 🇰🇪 ፣ ዱባይ (ሕቡራት ኢማራት ዓረብ) 🇦🇪 ንእትገብርዎ መገሻ ሙሉእ ናይ ቪዛ መስርሕ (Exit & Entry Visa) ኣብ ሓጺር ግዜ ኣካይድና ብ ሙሉእ እምነት ናይ መገሻ መሳኒትኹም ክንከውን ድሉዋት ምኻን ክንሕብረኩም ንፈቱ።

🇺🇬 ሃገር ወኪል ጉዕዞ ፣ ካምፓላ ዩጋንዳ
📞 0709 977114

✈ካምፓላ      🛬 ኣስመራ 590 💵 🇸🇩 ሱዳናዊ መንገዲ ኣየር ታርኮ ካብ ካምፓላ ናብ ኣስመራ በረራ ጀሚሩ ኣሎ ፣ መበገሲ ዋጋ ፣ 590 ዶላርሚዛን           ፣   40 ኪሎ ግራም  ...
02/08/2024

✈ካምፓላ 🛬 ኣስመራ 590 💵
🇸🇩 ሱዳናዊ መንገዲ ኣየር ታርኮ ካብ ካምፓላ ናብ ኣስመራ በረራ ጀሚሩ ኣሎ ፣
መበገሲ ዋጋ ፣ 590 ዶላር
ሚዛን ፣ 40 ኪሎ ግራም
==========
ቦታ ንምሓዝ ብቊጽሪ ቴሎፎን (ዋትስ ኣፕ) ተወከሱና
0709 977114

ሰላም ንዓኹም ክቡራት ዓማዊልና ፣ ናብ እዘን ተጠቂሰን ዘለዋ ሃገራት ንምብጻሕ ስሉጥን ርዓትዓውን ኣገልግሎት ቪዛ ክንህበኩም ዱሉዋት ከም ዘለና ብሓጎስ ንገልጸልኩም (🇺🇬🇦🇪🇪🇹🇪🇬)🇺🇬 ዩጋን...
02/08/2024

ሰላም ንዓኹም ክቡራት ዓማዊልና ፣ ናብ እዘን ተጠቂሰን ዘለዋ ሃገራት ንምብጻሕ ስሉጥን ርዓትዓውን ኣገልግሎት ቪዛ ክንህበኩም ዱሉዋት ከም ዘለና ብሓጎስ ንገልጸልኩም (🇺🇬🇦🇪🇪🇹🇪🇬)

🇺🇬 ዩጋንዳ
🇦🇪 ሕቡራት ኢማራት ዓረብ (ዱባይ)
🇪🇹 ኢትዮጲያ
🇪🇬 ግብጺ

ብርትዓዊ ዋጋ ኣብ ሓጺር ግዜ ኣዳሊና ከነረክበኩም ድሉዋት ኣሎና ፣
ሃገር ወኪል ጉዕዞ / ካምፓላ
0709 977114

ሰላም ንዓኹም ክቡራት ዓማዊልና ፣ ናብ እዘን ተጠቂሰን ዘለዋ ሃገራት ንምብጻሕ ስሉጥን ርዓትዓውን ኣገልግሎት ቪዛ ክንህበኩም ዱሉዋት ከም ዘለና ብሓጎስ ንገልጸልኩም (🇺🇬🇦🇪🇪🇹🇪🇬)🇺🇬 ዩጋን...
02/08/2024

ሰላም ንዓኹም ክቡራት ዓማዊልና ፣ ናብ እዘን ተጠቂሰን ዘለዋ ሃገራት ንምብጻሕ ስሉጥን ርዓትዓውን ኣገልግሎት ቪዛ ክንህበኩም ዱሉዋት ከም ዘለና ብሓጎስ ንገልጸልኩም (🇺🇬🇦🇪🇪🇹🇪🇬)

🇺🇬 ዩጋንዳ
🇦🇪 ሕቡራት ኢማራት ዓረብ (ዱባይ)
🇪🇹 ኢትዮጲያ
🇪🇬 ግብጺ

ብርትዓዊ ዋጋ ኣብ ሓጺር ግዜ ኣዳሊና ከነረክበኩም ድሉዋት ኣሎና ፣
ሃገር ወኪል ጉዕዞ / ካምፓላ
+256709977114

ንኣፍልጦ ደረጃ ሓይሊ ፓስፖርት ሃገራት ዓለም ዘውጽእ ‘ሄንሊ ፓስፖርት ኢንዴክስ’፡ ብ2023 ‘ሓያል’ ን ‘ደኹም' ነይሮም ዝበሎም ፓስፖርት ሃገራት ዓለም ገሊጹ ።ብመሰረት'ዚ ሲንጋፖር ካብ ...
08/02/2024

ንኣፍልጦ

ደረጃ ሓይሊ ፓስፖርት ሃገራት ዓለም ዘውጽእ ‘ሄንሊ ፓስፖርት ኢንዴክስ’፡ ብ2023 ‘ሓያል’ ን ‘ደኹም' ነይሮም ዝበሎም ፓስፖርት ሃገራት ዓለም ገሊጹ ።

ብመሰረት'ዚ ሲንጋፖር ካብ ዓለምና ዝሓየለ ፓስፖርት ዘለዋ ሃገር ኰይና ኣላ።

እቲ ትካል፡ ካብ ዓለምለኻዊ ማሕበር መጓዓዝያ ኣየር ብዝረኸቦ ሓበሬታ፡ ወነንቲ ፓስፖርት ብዘይ ቪዛ ክበጽሕዎም ዝኽእሉ መዳረግቲ ሃገራት መሰረት ብምግባር’ዩ ዓመታዊ ዓለማዊ ደረጃ ፓስፖርት ዘውጽእ።

ፓስፖርት ሲንጋፖር ዝውንኑ ሰባት ካብ 227 ሃገራት ዓለምና ናብተን 192 ኣቐዲሞም ቪዛ ምርካብ ከየድለዮም ክኣትዉ ብምኽኣሎም እዩ እታ ሃገር ኣብ ቅድሚት ክትስራዕ ክኢላ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ምስ ካልኦት ሃገራት ብዝገበረቶ ጽቡቕ ዝምድና፡ ሲንጋፖር ኣብ ሓይሊ ፓስፖርታ ርኡይ ምምሕያሽ ክተርእይ ኣኽኢልዋ እዩ።

ኣብ 2014 ምስ ዓባይ ብሪጣንያ ብሓባር ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ ዝነበረት ኣመሪካ ድማ ኣንቆልቊላ ኣብ ሻምናይ ደረጃ ትርከብ።

ጀርመን፡ ኢጣልያን ስጳኛን ብማዕረ ካልኣይ ደረጃ ዝሓዛ ክዀና ከለዋ፡ ዜጋታተን ብዘይ ቪዛ ናብ 190 ዓለማዊ መዳረግቲ ሃገራት ክበጽሑ ከም ዝኽእሉ ሄንሊ ፓስፖርት ኢንዴክስ ዘውጽኦ ጸብጻብ የመልክት።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ ዝነበረት ጃፓን ናብ ሳልሳይ ደረጃ ወሪዳ ኣላ። ናይዚ ምኽንያት ድማ፡ ፓስፖርታ ጃፓን ዝውንኑ ሰባት ድማ ብዘይ ቪዛ ክኣትዉ ዝፍቀደሎም መዳረግቲ ሃገራት ካብቲ ኣብ 2022 ዝነበረ 193 ናብ 189 ብምውራዱ እዩ ።

ካልኦት ምስ ጃፓን ማዕረ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ዝተሰርዓ ድማ ኣውስትርያ፡ ፊንላንድ፡ ፈረንሳ፡ ሉክሰምበርግ፡ ደቡብ ኮርያን ሽወደንን እየን።

ዴንማርክ፡ ኣየርላንድን ሆላንድን ብ188 መዳርግቲ ሃገራት ኣብ ራብዕይ ደረጃ ተሰሪዐን ይርከባ።

ብ187 መዳርግቲ ሃገራት መበል 5ይ ዝተሰርዓ ቤልጅም፡ ቼክ ሪፓብሊክ፡ ማልታ፡ ኒው ዚላንድ፡ ኖርወይ፡ ፖርቹጋልን ስዊዘርላንድን እየን።

ኣውስትራልያ፡ ሃንጋሪን ፖላንድን መበል 6ይ፡ ካናዳን ግሪክን መበል 7ይ፡ ኣመሪካን ሊቱወኒያን መበል 8ይ፡ ላትቪያ፡ ስሎቫኪያን ስሎቨኒያን መበል 9ይ ደረጃ ከምኡ’ውን ኢስቶንያን ኣይስላንድን መበል 10ይ ሓያል ፓስፖርት ዘለወን ሃገራት ተባሂለን ኣለዋ።

ብኣንጻሩ ኣብ ዓለም እቲ ዝደኸመ ፓስፖርት ዘለወን ሃገራት ድማ ካብ መበል 101 ክሳብ 103 ዝተሰርዓ ሶርያ፡ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን እየን። ዜጋታት እዘን ሃገራት ናብ 30 ወይ ትሕቲኡ መዳርግቲ ሃገራት ጥራይ ብዘይ ቪዛ ክኣትዉ ከም ዝፍቀደሎም እቲ ጸብጻብ የመልክት።

ኣብ ኣፍሪቃ ዝሓየለ ፓስፖርት ዘለዎም ዜጋታት #ሲሸልስ እዮም፤ እታ ሃገር ዜጋታታ ናብ 153 መዳርግቲ ሃገራት ክኣትዉ ዝፍቀደሎም ኮይኖም ብዓለም ደረጃ መበል 24 ተሰሪዓ ትርከብ። ካብ ሲሸልስ ቀጺለን #ሞሪሸስ ን #ደቡብ ኣፍሪቃን ዝሓሸ ፓስፖርት ዘለወን ሃገራት ኣፍሪቃ እየን።

ብኣንጻሩ ኣብ ኣህጉርና ዝደኸመ ፓስፖርት ዝውንኑ ዜጋታት #ሊብያ ን #ሶማልያ ን እዮም።

█ ▄   𝟏𝟏 ኣደነቕቲ ነገራት ብዛዕባ ፓስፖርት   █ ▄ኣብዚ እዋን፡ ፖስፖርት ኣካል ፖለቲካ ኮይኑ ካብ ኣዛራረብቲ ዛዕባታት ኮይኑ ይርከብ፡ ሰባት ካብን ናብን ሃገራት ክንቀሳቐሱ ፖስፖርት ...
07/02/2024

█ ▄ 𝟏𝟏 ኣደነቕቲ ነገራት ብዛዕባ ፓስፖርት █ ▄

ኣብዚ እዋን፡ ፖስፖርት ኣካል ፖለቲካ ኮይኑ ካብ ኣዛራረብቲ ዛዕባታት ኮይኑ ይርከብ፡ ሰባት ካብን ናብን ሃገራት ክንቀሳቐሱ ፖስፖርት ክህልዎም ግድን ይኸውን፡ ዘለዎም ክገሹ ዘይብሎም ካብ መገሻ ክሰናኸሉ ክአ ንቡር እዩ።

እዚ ንኽንገይሽ ኣገዳሲ ዝኾነ ሰነድ ኣዝዩም ብዙሓት ኣገረምቲ ዛንታታት ሓሊፉ እዩ እዚ ሕጂ ዘለዎ ቅርጺ ንኽሕዝ በቒዑ፡ ገለ ካብኦም እዞም ዝስዕቡ እዮም።

█ ▄𝟭 እታ ቀዳመይቲ ፓስፖርት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ትርከብ

ኣብ መጽሓፍ ነህምያ፡ ንጉስ ፐርሽያ ኣርታጸርጸስ ቀዳማይ፡ ልኡኻቱ ናብ 'ጁዳ' ኣብ ዝልእኸሉ ኣጋጣሚ ደብዳበ ኣሰንዩ የፋንዎም ነይሩ፡ እዚ ደብዳበ እዚ ክኣ መንነት እቶም ልኩኻትን ተወሳኺ ሓበሬታን ዝሓዘ እዩ።

█ ▄𝟮 ኣብ ፓስፖርት ስእሊ ምልጣፍ ድሕሪ ቀዳማይ ኲናት ዓለም'ዩ ተጀሚሩ

ኣብ ፓስፖርት ስእሊ ምልጣፍ ድሕሪ ቀዳማይ ኲናት ዓለም'ዩ ተጀሚሩ፡ እቲ ምኽንያት ክኣ ሰለይቲ ጀርመን ስኑዕ ፓስፖርት ናይ ኣሜሪካ ሒዞም ናብ ዓዲ እንግሊዝ ድሕሪ ምእታዎም'ዩ ኣገዳስነት ስእሊ ኣብ ፓስፖርት ዓዚዙ ተራእዩ።

█ ▄𝟯 ኣብ ሰብነቶም ሚዛን ዝጎደሉን ዝወሰኹን፡ ሓዲሽ ፓስፖርት ከውጽኡ ይግደዱ

ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ኣካላትካ ሓያለ ኪሎታት ምስ እትውስኽ ወይ ምስ እትጎድል ፓስፖርትካ ክትቕይር ትግደድ፡ ብተወሳኺ ኣብ ገጽካ መጥባሕቲ ምስ እትገብር፡ ኣብ ገጽካ ምስ እትውቀጥ ወይ'ውን ውቓጦኻ ምስ እተልግሶ'ውን ፓስፖርትኻ ክትቕይር ትግደድ ኢኻ።

█ ▄𝟰 ስድራ ተኣኪብካ ዝተሳኣልካዮ ስእሊ ንፓስፖርት የገልግል ነይሩ

ኣብ ፓስፖርት ስእሊ ምልጣፍ ኣብ ዝተጀመረሉ፡ ዝመረጽካዮ ስእሊ ክትጥቀም ይክኣል ነይሩ፡ ዋላ ስድራ ምሉእ ዝተሳኣልካዮ ስእሊ'ውን ኣብ ፓስፖርትካ ምልጣፍ ፍቑድ ዝነበረሉ እዋን ነይሩ'ዩ።

█ ▄𝟱 ፓስፖርትኻ ክወድቕ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ምስ ተረፎ ክሕደስ ኣለዎ

ፓስፖርትኻ ንኽወድቕ ሽዱሽተ ወርሒ ምስ ዝተርፎ ክትገይሽ ኣይትሕሰብ፡ ቅድም ኣሐድሶ።

ዝበዝሓ ሃገራት ብፍላይ ከኣ ሃገራት ኣውሮጳ ናብ ዓደን ንከእትዋኻ ፓስፖርኻ ብውሑዱ ንዝቕጽል 90 መዓልታት ከይወደቐ ክጸንሕ ከም ዘለዎ ይጠልባ'የን።

መገሻኻ ዕንቅፋት ዘይብሉ ንክኸውን ግን ፓስፖርትኻ ንኽወድቕ ሽዱሽተ ወርሒ ምስ ተረፎ ምሕዳስ ከምዘድልየካ ኣይትዘንግዕ፡ ሃገራት ቻይና፡ ኢንዶንዥያ፡ ሩስያን ሰዑድ ዓረብን ፓስፖርትካ ንኽወድቕ ትሕቲ ሽዱሽተ ወርሒ ምስ ዝተርፎ ናብ ሃገረን ክትኣትው ኣየፍቅዳን'የን።

█ ▄𝟲 ብመንገዲ ኲይንስላንድ ናብ ኣውስትራልያ ክትኣቱ ምስ እትደሊ ፓስፖርት ኣየድልየካን'ዩ

እዚ ዝኸውን ግን ነባሪ እተን ኣብ ፓፓው ኒው ጊኒ ዝርከባ ትሽዓት ዓድታት ምስ እትኸውን ጥራይ'ዩ።

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ፓፓው ኒው ጊኒ ናጽነታ ኣብ ዝረኸበትሉ ብዝተበጽሐ ስምምዕ'ዩ ነበርቲ እዘን ዓድታት ብዘይ ፓስፖርት ናብ ኣውስትራላይ ንኽኣትዉ ዝተፈቐዶም።

█ ▄𝟳 ቫቲካን ገያሾ ክኣትዉን ክየብሎምን ፓስፖርት ዝቆጻጸር ኣካል የብሎምን

ቫቲካን ገያሾ ክኣትዉን ክወጽኡን ዝቆጻጸር ኣካል የብሎምን። ጳጳስ ቫቲካን ከኣ ፓስፖርት ቁጽሪ ሓደ ይሕዝ።

█ ▄𝟴 ኣብ ሃገረ ቶንጋ ፓስፖርት ብሕጋዊ መንግዲ ይሽየጥ ነይሩ

ሃገረ ቶንጋ ብሕጋዊ መንግዲ ንሓደ ፓስፖርት ብ 20 ሽሕ ዶላር ትሸይጥ ነይራ።

ንጉስ ቶንጋ ኣታዊታት ሃገሩ ንምዕባይ ንዘይ ደቂ ሃገሩ ፓስፖርት ቶንጋ ይሸጠሎም ነይሩ።

█ ▄𝟵 ፓስፖርትታት ፊንላንድን ስሎቬንያን ገጻቶም ብቅልጡፍ ምስ እንግንጽሎም ተንቀሳቓሲ ስእሊ ክትርኢ ትኽእል

ናይ ፊንላንድን ስሎቬንያን ፓስፖርት ሒዝካ ነዊሕ ደው ምስ እትብል፡ ዘሰልቹ የብልካን፤ ኣብቲ ፓስፖርት ዘሎ ስእሊ ብምዕዛብ ክትዘናጋዕ ትኽእል ኢኻ።

ፓስፖርት እዘን ክልተ ሃገራት እቲ ገጻት ናይ ፓስፖረት ብቕልጡፍ ምስ እንግንጽሎ፡ ኣብ ታሕተዋይ ሸነኽ ናይቲ ፓስፖርት ዝንቐሳቐስ ዝመስል ስእሊ ክትርኢ ትኽእል።

█ ▄𝟭 𝟬 ፓስፖርት ናካራግዋ እቲ ክስናዕ ዘይክእል ፓስፖርት'ዩ

ፓስፖርት ናካራግዋ ክስናዕ ዘይክእል ዝገብሮ 89 ሚስጥራውያን ናይ ጸጥታ ትሕዝቶ ኮዳት ዘለዎ ከይኑ፡ እዚ ከኣ ሰለስተ መዳያዊ ኣሳእልን ናብ ብርሃን ምስ ኣጠመትካዮ ዝረኣ ኣንጸባራቒ ማያዊ ሕብሪ ኣሳእል የጠቓልል።

█ ▄𝟭𝟭 ብዙሓት ኣሜሪካውያን ፖስፖርት የብሎምን

ብመሰረት ጸብጻብ ወጻኢ ጉዳያት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ 43% ፓስፖርት ክህልዎም ከሎ ፣ እቶም ዝተረፉ 57% ኣሜሪካውያን ግን ፓስፖርት የብሎምን።

🇦🇪 ሓቅታት ብዛዕባ ''ቡርጅ ከሊፋ'' 🇦🇪ቡርጅ ከሊፋ ወይ ድማ ‘ቡርጅ ዱባይ' ብዝብል ስም’ውን ዝፍለጥ ኣብ ከተማ ዱባይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝርከብ ድንቂ ህንጻ ኢዩ። እዚ ሰማይ ጠቀስ ...
06/02/2024

🇦🇪 ሓቅታት ብዛዕባ ''ቡርጅ ከሊፋ'' 🇦🇪

ቡርጅ ከሊፋ ወይ ድማ ‘ቡርጅ ዱባይ' ብዝብል ስም’ውን ዝፍለጥ ኣብ ከተማ ዱባይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝርከብ ድንቂ ህንጻ ኢዩ።

እዚ ሰማይ ጠቀስ ህንጻ ኣስታት 830 ሜትሮ ቁመት ዘለዎ ኰይኑ፡ ካብ 2008 ጀሚሩ ናብ ዓለምና ዝነውሐ ህንጻ ክበሃል ዝኸኣለ ግሩም ሰማይ ጠቀስ ህንጻ ኢዩ ። ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ እቲ ዝነውሐ ህንጻ ብምዃኑ ከኣ፡ ‘ቡርጅ ዱባይ’ ተባሂሉ ተሰምዩ ነይሩ ይኹን’ምበር ካብ 2011 ኣትሒዙ፡ ስም ናይ’ዚ ህንጻ፡ ካብ ‘ቡርጅ ዱባይ’ ናብ ‘ቡርጅ ከሊፋ’ ተቐይሩ። እዚ ከኣ ንኽብሪ መራሒ ኣቡዳብን ፕረሲደንት ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ‘ከሊፋ ቢን ዛይድ ኣልናህያ’ እዩ ስሙ ተቐይሩ።

ምስራሕ እዚ ህንጻ ኣብ 2004 እዩ ጀሚሩ።

ውሽጡን ደጊኡን ክህነጽ 5 ዓመታት ወሲዱ ፡

ኣብ 2009 ተዛዚሙ። ኣብ 2010 ድማ፡ ሓደ ካብ ሓድሽ ምዕባለ ማእከል ከተማ ዱባይ ተባሂሉ ብወግዒ ተኸፊቱ። ውሳነ ምስራሕ ህንጻ ‘ቡርጅ ከሊፋ’፡ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኢማራት ዓረብ ዝተወድአ ኰይኑ፡ ዱባይ ዓለምለኻዊ ተፈላጥነትን ተቐባልነትን ክትረክብ ብምባል ከምዝተሃንጸ ይሕበር።

እዚ ህንጻ ምስ ዘለዎ ቅርጺ ኣሰራርሕኡን ቁመቱን ናይ ዓለም ክብረወሰን ሒዙ ይርከብ። ኣብ ማእከል እዚ ህንጻ ዝርከብ ዓቢ መንደቅን መንገብገብን ከም ድጋፍ ኰይኑ ይከላኸለሉ። እዚ ህንጻ ምስቲ ኣብ እዋን ክረምቲ ኣብ ዱባይ ዘጋጥም ኵነታት ኣየር፡ ብምግንዛብ እዩ ተሰሪሑ። ‘ቡርጅ ከሊፋ’፡ ኣስታት 57 መደያየቢ ከምኡ’ውን ሸሞንተ ተንቀሳቓሲ መሳልል ኣለዎ። እዚ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ሒዙ ዝርከብ ህንጻ፡ ብዘእንግዶ ኣቀባብላ ኣጋይሽ ብዙሕ ኣህጉራዊ ስልማታት ክወስድ በቒዑ እዩ።

🇦🇪 🇦🇪 🇦🇪 🇦🇪 🇦🇪 🇦🇪 🇦🇪

ናብ ዱባይ ንእትገሹ ገያሾ ሙሉእ ናይ ጒዕዞን ኢመግሬሽን ኣገልግሎት(ማለት መውጺኢ ቪዛ ፤ ናይ ዱበይ መእተዊ ቪዛ ከምኡ እውን ኣየር ቲኬት) ብርትዓዊ ዋጋ ኣብ ሓጺር እዋን ኣዳሊና ከምነረክበኩም ክንሕብረኩም ደስ እንዳ በለና ኢዩ።

ሃገር ወኪል ጒዕዞ ፣ ካምፓላ ዩጋንዳ 🇺🇬
📞 +256-7-09977114

🇷🇼 🇷🇼  ንኣፍልጦ  🌍 ✈️ 🌍ገለ ብዛዕባ ሓንቲ ካብ'ተ 43 ኤርትራዉያን ዜጋታት ብዘይ ቪዛ ክበጽሕወን (ክኣትውለን) ዝኽእሉ ሃገራት ዓለምና ዝኾነት ምብራቕ ኣፍሪቓዊት ሃገረ ሩዋንዳ ሩዋን...
05/02/2024

🇷🇼 🇷🇼 ንኣፍልጦ 🌍 ✈️ 🌍

ገለ ብዛዕባ ሓንቲ ካብ'ተ 43 ኤርትራዉያን ዜጋታት ብዘይ ቪዛ ክበጽሕወን (ክኣትውለን) ዝኽእሉ ሃገራት ዓለምና ዝኾነት ምብራቕ ኣፍሪቓዊት ሃገረ ሩዋንዳ

ሩዋንዳ ቅድም ክብል ብኵናት ሓድሕድን ምጽናት ዓሌትን ስማ ኣብ ዓለም ዝጽዋዕ እታ ኣዝያ ዝደኸየትን ዝደሓረትን ሃገር እያ ነይራ። ኣብዚ ጊዜ ግና ቁጠባ ሩዋንዳ ብመሰረት ጸብጻብ ባንኪ ዓለም ኣብ ዓመተ 2023 ርብዒ ዓመት ብ9.2 ሚእታዊ ዕቤት ኣመዝጊቡ እዩ። ዓመታዊ Total GDP ኸኣ ኣብ 2023 ክሳብ $42.346 billion ይበጽሕ። እዛ ንእሽቶ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ካብተን ቅልጡፍ ቁጠባዊ ዕቤት ዘመዝግባ ዘለዋ ሃገራት ሓንቲ እያ። ርእሰ ከተማኣ ኪጋሊ ድማ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለምና ብጽሬት ዝፍለጣ ከተማታት እያ።

🇺🇲 ገለ ብዛዕባ ናይ ኣሜሪካ ናይ ስደት ዕድል 🇺🇲🇺🇲   Welcome Corps 🇺🇲እዚ መደብ እዚ ዝሓለፈ ዓመት ዝጀመረ ኣሜሪካውያን ዜጋታት ወይ ድማ ቀወምቲ ተቐመጥቲ ብጉጅለ ሓሙሽተ ሰባት...
05/02/2024

🇺🇲 ገለ ብዛዕባ ናይ ኣሜሪካ ናይ ስደት ዕድል 🇺🇲
🇺🇲 Welcome Corps 🇺🇲

እዚ መደብ እዚ ዝሓለፈ ዓመት ዝጀመረ ኣሜሪካውያን ዜጋታት ወይ ድማ ቀወምቲ ተቐመጥቲ ብጉጅለ ሓሙሽተ ሰባት ብምዃን ስደተኛታት ወኪሎም ናብ ኣሜሪካ ንኽኣትዉ ዝሕግዙሉ ዕድል ኢዩ።

እዚ ክሳብ ቀረባ እዋን ነቲ እትውክሎ ስደተኛ ባዕልኻ ንኽትመርጾ ከፍቅድ ኣይጸንሕን፡ ስለዚ ድማ ኣብ ኣሜሪካ ዝቕመጥ ቤተ-ሰብካ ወይ ፈላጢኻ ክውክለካ ይኽእል ኣይጸንሐን። ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኾይኑ ግን ካብ ታሕሳስ 2023 ጀሚሩ ንቤተ ሰብካ ወይ ትፈልጦ ስደተኛ ክትውክል ኣፍቂዱ ኣሎ።

*ብዛዕባ እዚ መደብ እንታይ ኢና ክንፈልጥ ዘለና*

*1. መን'የ ነዚ መደብ እዚ ብቑዕ ዝኾነ፧*

* ዝኾነ ዜጋ ኣብ ትሕቲዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር (UNHCR) ከም ስደተኛ ዝተመዝገበ።

* እዚ ኸኣ ኣብ 30 መስከረም 2023 ወይ ቅድሚኡ ከም ስደተኛ ተቐባልነት ረኺቦም ዝተመዝገቡ ምስ ዝኾኑ።

* ዕድመ ልዕሊ 18 ክኾኑ ኣለዎም፡ ትሕቲኡ ምስ ዝኾኑ ምስ ወላዲኦም ወይ ድማ ሕጋዊ ሞግዚት ጥራይ።

* እታ ስፖንሰር እትኸውን ሓንቲ ስድራ ምስ እትኸውን ብሙልኦም ኣባላት ስድራ ቤት ኣብ ሓደ ሃገር ዝቕመጡ ክኾኑ ኣለዎም።

* ኣብዘን ዝስዕባ ኣፍሪቃውያን ሃገራት ዝቕመጡ ስደተኛታት ነዚ መደብ ብቑዓት ኣይኮኑን፡
- ሱዳን
- ኤርትራ
- ሊብያ
- ሶማልያ።

*2. እቲ መስርሕ ወረቐት ምእታው ከመይ ይመስል ዘድልዩ ረቛሒታት'ከ እንታይ እዮም።*

* ሓሙሽተ ዜጋታት ወይ ቐወምቲ ተቕመጥቲ ሓንቲ ጉጅለ ክምስርቱ ኣለዎም። እዞም ኣባላት ኣብ ሓደ ማሕበረ ሰብ ወይ ነቑጣ ወይ ከኣ ከይረሓቑ ዝቕመጡ ክኾኑ ኣለዎም።

* እዛ ግሩፕ ሓደ ተጸዋዒ ክህልዋ ኣለዎ። እዚ ተጸዋዒ ኣብ ታሕቲ ኣብ ዘሎ መርበብ ሓበሬታ ብምእታው ኣካውንት ብምኽፋታ ዘድልዩ ወረቓቕቲ ብምእታው ነቲ መስርሕ ይጅምሮ። እዚ መስርሕ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ሓሙሽተ ሰባት ምስ ዝጥርነፉ ክጅመር ይኽእል።

* ብዛዕባ ስደተኛ ነዛ ግሩፕ ዝቐርቡላ ሕቶታት፡
- ሓፈሻዊ ሓበሬታ ውልቀ-ሰብ ወይ ምሉኣት ኣባላት ስድራ፡
(ምሉእ ስም፡ ዕ/ልደትን፡ ቦታ ልደት)
- ካብ ሃገሩ ንኽወጽእ ዝገበርዎን ንኸይምለስ ዘስግእዎን ምኽንያታት
- ቕድሚ ሕጂ ተቕባልነት ሓቲቱ ተነጺጉ እንተድኣ ኔሩ።
- ሰነዳት ከም መረጋገጺ ምዝገባ ስደተኛ (ፉል ስታተስ) ወይ ካልእ ብመንግስቲ ኣዕቛቢት ሃገር ዝወጸ መለለይ።
- ጉርዲ ስእሊ ናይ ብምሉኦም ኣባላት ስድራቤት።

*3. ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ እዩ ክዋጻእን ክተሓዝን ዝለዎ፧*

* እቲ ምሉእ ኣሃዝ 2,425$ ዶላር ንነፍሲ ወከፍ ስደተኛ ኢዩ። ግን እታ ጉጅለ ነዚ መስርሕ ንኽትጅምር 60% ናይዚ፡ ማለት 1,455$ ዶላር ንነፍሲ ወከፍ ስደተኛ ከተርኢ ትሕተት።

*4. ስደተኛ ናብ ኣሜሪካ ንኽኣቱ ክንደይ ግዜ ይወስድ፧*

* ዝተማልአ ወረቐት ካብ ዝረከበሉ ኣትሒዙ ዝተሓተ ካብ 6 ኣወርሕ ክሳብ ውሑዳት ዓመታት ክወስድ ይኽእል።

🇺🇲🇺🇲🇺🇲 🤗 🤗 🇺🇲🇺🇲🇺🇲

ምንጪ፥ https://welcomecorps.org/resources/sponsor-someone-you-know/

ትርጉም ፣ ኢሳቕ ኪዳነ

Uganda is famous as the “Pearl of Africa” in the travel circles, a name that conveniently wraps all the good things abou...
25/12/2023

Uganda is famous as the “Pearl of Africa” in the travel circles, a name that conveniently wraps all the good things about Uganda in three simple words.

Uganda's an underrated East African safari destination that shines with outstanding bucket list features. Here are 10 Awesome things about it

 #ንኣፍልጦ ትፈልጡ ዶ !? ናይ ዓለምና  ዝኸበረ ጽርግያ ኣብ ኣህጉርና ኣፍሪቃ ሃገረ ኡጋንዳ 'ዩ ዝርከብ።ካብ ኣህግራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኢንተቨ Entebbe International Airpor...
24/12/2023

#ንኣፍልጦ
ትፈልጡ ዶ !? ናይ ዓለምና ዝኸበረ ጽርግያ ኣብ ኣህጉርና ኣፍሪቃ ሃገረ ኡጋንዳ 'ዩ ዝርከብ።

ካብ ኣህግራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኢንተቨ Entebbe International Airport ናብ ርእሰ ከተማ ኡጋንዳ ከተማ ካምፓላ Kampala, Uganda ዝተርግሐ 51 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ናይ ቅጥራን ጽርግያ ንክስራሕ 476 ሚልዮን ዶላር ወጻኢ ዝሓተተ መስመር ናይ ዓለምና ዝኸበረ ጽርግያ "The most expensive highway in Africa and the world" ዝብል ናይ ዓለም ክብረ ወሰብ ሒዙ ይርከብ።

ህንጸት እቲ ጽርግያ ልዕሊ እቲ ብማእከላይ ገምጋም ዝግመት 2 ሚልዮን ዶላር ዝበጽሕ ዝነበረ ወጻኢታት ፡ካብ ግምት ወጻኢ ብዘሰንብድ መንገዲ 476 ሚልዮን ዶላር ወይ ድማ ንሓደ ኪሎሜተር 9.2 ሚልዮን ዶላር ወጻኢታት ተገይርዎ።

እቲ 51 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ጽርግያ፡ ኣርባዕተ መስመራት ዘለዎ ናይ ክፍሊት ጽርግያን ልዕሊ 19 ድልድላትን ናይ ቀሌቤት መንገድን ዘጠቃለለ ኢዩ።

Address

Ggaba Road Kansanga JB Mall
Kampala
4000

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Hager Travel Agency posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Hager Travel Agency:

Videos

Share

Category


Other Travel Agencies in Kampala

Show All